ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ 15 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝቐተለት ገሊጻ

Radio Erena: 20 December 2022

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ።

በቲ ኣብ 14 ን 17ን ታሕሳስ ኣብ ዝተፈላለየ ክልተ ከባቢታት ዞባ ሒርሻቤሌ ዝተኻየደ ደብዳብ 15 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ጠቒሱ።

ኣብቲ ካብ ሞቛድሹ፣ ልዕሊ 176 ኪሎሜተር ንሰሜናዊ ምብራቕ ርሒቑ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ሰለማውያን ሰባት ከምዘይለከመ እቲ እዚ ኣገንዚቡ።

ጎኒ ጎኒ’ቲ ብኣመሪካ ዝተኻየደ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል፣ ብ15 ታሕሳስ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ስርሒታት ብምክያድ 88 ዕጡቓት ኣል ሸባብ ከምዝቐተለ ገሊጹ።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ጀሚርዎ ኣብ ዘሎ ወፍሪ፣ ኣመሪካ ጥራይ ዘይኮነት ካልኦት ሃገራት’ውን ናይ ድሮን ሓገዝ ይገብራሉ ምህላወን ሰበ ስልጣን ጸጥታ እታ ሃገር ሓቢሮም።

እንተኾነ፣ ዝርዝር ኣስማት እተን ሃገራት ኣየነጸሩን።

ምስ መንግስቲ ሶማል ቅርበት ዘለዋ ቱርኪ፣ ናይ ድሮን ሓገዝ ክትገብረሉ ከምእትኽእል ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይእምቱ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0