ስዊዘርላንድ: ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምስጓግ ኤርትራውያን ናይ ሳልሰይቲ ሃገር ነጺጉ

Radio Erena: Tuesday, 02 January 2024

ስዊዘርላንድ: ወረቐት ዘይብሎም ኤርትራውያን ናብ 3ይቲ ሃገር ንምስጓግ ናይ ፈተነ ትልሚ ክካየድ ዝቐረበ እማመ ብሃገርዊ ቤት ምኽሪ ተነጺጉ::

ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕቦኦም ዝተነጽገ ወረቐት ዘይረኸቡ ኤርትራውያን ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ክትሰዶም ኣለዋ ክብል ኣባል ሊበራላዊ ኣኽራሪ ሰልፊ (FDP) ቆንስል ካንቶን ሉሰርን ‘ዳሜን ሙለር’ እዩ ነቲ እማመ ኣቕሪብዎ ኔሩ::

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ነቲ እማመ ዝነጸጎ ምኽንያት ብመሰረት ውዕል ስደተኛታት ጀኔቫ 1951 ዘይሕጋዊ ኮይኑ ስለዝረኸቦ እዩ::

ዳሜን ሙለር ኣብቲ ንፈደረላዊ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ዘቕረቦ ሸሞንተ ካልኦት ብጾቱ ዝፈረሙሉ እማመ: መንግስቲ ሕቶ ዑቕባኦም ንዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምስጓግ ናይ ፈተነ ፕሮጀክት ክትጅምር ይጠልብ:::

ዳሜን ሙለር: ስዊዘርላንድ ንኤርትራውያን እትቕበል ሳልሰይቲ ሃገር ከተናዲ: እታ ንስደተኛታት ትቕበል ሃገር ድማ ኣምሳያቲ ስደተኛታት እትቕበሎ ገንዘባዊ ካሕሳ ክትወሃብ ዝብል ርእይቶ ኔርዎ::

ኤርትራ ብፍቶት እንተዘይኮይኑ ብሓይሊ ዝስጎጉ ዜጋታታ ኣይትቕበልን እያ: ዳሜን ሙለር ድማ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ቅቡል ዘይኮነ ኤረትራውያን ካብ ስዊዝ ክወጹኳ እንተተነግሮም ምውጻእ ብምእባዮም ገዛውቲ ሒዞም ናይ ሃገር ሃብቲ የህልኹን ንካልኦት ክወሃብ ዝነበሮ ዕድል ዓጊቶም ከምዘለዉ ክብል ይምጉት።

ብመሰረት ጽብጻብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ስዊዘርላንድ ኣብዚ ሕጂ እዋን 336 ኤርትራውያን ካብ ስዊዘርላንድ ክወጹ ተኣዚዞም ክንሶም ዛጊት ካብታ ሃገር ይነብሩ ዘለዉ::

ሓንቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትቅበል ትኽእል እያ ተባሂላ እትግለጽ ሳልሰይቲ ሃገር ሩዋንዳ እያ ኔራ: ሩዋንዳ ነዚ ክትገብር ድልውነታ ገሊጻ ምንባራ ራድዮ ተለቪዥን ስዊዘርላንድ (ኣር ቲ ኤስ) ነቲ ጉዳይ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ጸብጻብ ኣተንቢሃ ኔራ::

ርዋንዳ፡ ኣቐዲማ ካብ ብሪጣንያ ስደተኛታት ክትቅበል ተሰማሚዓ እያ: እንተኾነ እዚ ስምምዕ ብቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ::

ሩዋንዳ ኣብ 2013 ‘ውን ምስ እስራኤል ብምስምማዕ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቢላ ኔራ::

ስእሊ፦ ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0