ስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ኤርትራ፣ ዝተሃንጸሎም ኣባይቲ ንእሙናት ኣገልገልቲ ህግደፍ ምዕዳሉ፣ ዘሕደረሎም ቁጠዐ ይገልጹ

Radio Erena: 12 April 2019

ኣብ ቃኘውን ካልእ መዓስከራትን ንዝርከቡ ስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ኤርትራ፣ ንዓኣቶም ዝተሃንጸ ኣባይቲ፣ ንእሙናት ኣገልግልቲ ህግደፍ ምዕዳሉ ዘሕደረሎም ቁጠዐ ብምረት ይገልጹ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ስንኩላን ኵናት፣ ቁጠዐታቶም ብምረት ዝገልጹ ዘለዉ፣ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰሚናራትን ካልእ ኣኼባታትንዩ።

ኣብ ከባቢ ኢንስቲትዩት ምድላው መምህራን ፣ ንስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ዝተሃንጸ ኣባይቲ ንእሙናት ንዝምልከቶም ገዲፉ ንዘይምልከቶም ከምዝተዓደለ ኣብ እዋኑ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑዩ።

መንግስቲ ኣቐዲሙ ንስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ገዛውቲ ክሰርሓሎም ተመባጺዑ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነተን ዝነበረት ኣስካሉ መንቐርዮንስ ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ድሙቕ ጽምብል እምነ መሰረት እኳ እንተተነብረሉ፣ እቲ ነፍሲ ወከፉ ክልተ መደቀሲ፣ ሓደ ሳሎን ክሽነ መስ መካበብያ ዝውንን ኣባይቲ ብቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ይወሃቦም ንዝተብሃሉ እሙናት ኣገልገልቲ ናይቲ ስርዓትዩ ተዓዲሉ።

ነዚ ንስንኩላን ተባሂሉ ዝተሃንጸ ኣባይቲ ተረኪቦሞ ዘለውይ ኣገልገልቲ ህግደፍ፣ መብዛሕቶም ኣብ ጋዜጠኝነት፣ ስነ ጥበብን ቴክኒክን ዝሰርሑ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜናን ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን ዮም።

ገለ ካብቶም ነዚ ኣብ ማይ ተመናይ ዝርከብ ኣባይቲ ተረኪቦሞ ዘለው እሙናት ኣገልግልቲ ህግደፍ፣ ምስቶም ኣብ ቓኘውን ካልእ ንስንኩላን ዘይምችእ መዓስከራትን ተዓቖቦም ተጋደልቲ ብምንጽጻር፣ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ጸገም ዘይነበሮም ምዃኖም እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይጠቕስ።

27 ዓመታት ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ዜጋታት ከቓልል ዘይክኣለ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሰበስልጣናቱ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ካልኦት እሙናት ኣገልገልቱን፣ ተራ ህዝቢ ዝነብሮ ዝነበረ ኣባይቲ ብምምንዛዕውን ከምዘውረሶም ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲዚ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት፣ ብቦንድን ካልእን ክስርሓሎም ቅድሚ 10 ዓመታት ዝተኣትወሎም መብጽዓ፣ ክሳብ እዚ እዋንዚ ኣየተግበረን።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ብመሰረቱው፣ን ዋንነት ህዝቢ ክኽውን ዝነበሮ ጉዳይ መሬትን መንበሪ ኣባይቲን፣ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ይጥቐመሉ ከምዘሎዩ ዝውቐስ።

ስእሊ፣ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0