ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ዋዕላ ሃገራዊ ባይቶ የካይድ

Radio Erena: 14 April 2019

ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት የመን ዓቡልራቦ መንሱር ሓዲ፣ ኣብ ሃገሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሃገራዊ ባይቶ ተሳቲፉ።

ቅልውላው የመን ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን ዝጋባእ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ፣ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስልጣን ቁርቁስ፣ ኣብ ሰለስተ ተጋማሚዑ እዩ ዝርከብ።

ካብ 301 ኣባላት’ቲ ባይቶ፣ እቶም 141 ምስ መንግስቲ ዝወገኑ ኣብ ዘካየዱዎ ዋዕላ፣ ኣብ ስዑዲ ዓርብ ዝነብር ዘሎ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ጻውዒት ሰላም ብምቕራብ እዩ ከፊቱዎ።

ሓያሎ ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም፣ ነቲ ዋዕላ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም ኣለዉ። ሃገራዊ ባይቶ ምእካቡ ስርዓተ መንግስቲ ዳግም ክቐውም ከምዝኽእል ተስፋ ዝህብ’ዩ ክብሉ’ውን መጎሶም ገሊጾም።

ርእሰ ከተማ ሰንዓ ኣብ ትሕቲ ሑቲ ስለእትርከብ፣ እቲ ሓፈሻዊ ዋዕላ ባይቶ ኣብ ከተማ ዓደን’ዩ ክካየድ ተወጢኑ ኔሩ። እንተኾነ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝወገኑ ሰበስልጣን ከተማ ዓደን፣ ባይቶ ኣብ ከተምኦም ክእከብ ብዘይምፍቃዶም ኣብ ምብራቕ የመን እትርከብ ከተማ ሳዩን እዩ ተኻዪዱ።

ሑቲ ብወገኑ ኣብቲ ተቖጻጺሩዎ ዘሎ ከባቢታት የመን፣ ህዝቢ ወከልቱ ክመርጽ ጎስጓሳት ከካዪድ ምጅማሩ፣ ካብ ከተማ ሰንዓ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ውግእ ሓድሕድ የመን ንምዕራፍ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ እማመ ሰላም ካብ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ ግብራዊ ከይኮነ እዩ ዝቕጽል ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0