ሳልሳይ ዓመት ሓደጋ ላምፔዱሳ ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት፣ ኣስታት 6 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ድሕኖም

Radio Erena: 05 October 2016

Migrants

ኣስታት 360 ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱሳ ዝጠሓልሉ ሳልሳይ ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዝነበረ ዕለት፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 6 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝደሓኑ ኢጣልያ ኣፍሊጣ።

እቶም ኣብ ኣርባዓ ጀላቡ ተጻዒኖም ካብ ዝተፈላለየ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሱ ስደተኛታት፣ ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ክድሕኑ እንከለዉ፣ ትሽዓተ ሰባት ግና ከምዝሞቱ ሮይተርስ ካብ ሮማ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብሰኑይ 3 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ህይወት ስደተናታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት፣ 10 መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያን ትካላት ግብረ ሰናይን ተሳቲፈን።

ኣብቲ ስርሒት፣ ብ ሓንቲ ናይ ጎማ ጃልባ ጥራይ 725 ስደተኛታት ተጨቓጪቖም ከምዝጸንሑ ይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ናይ ዓይኒ ምስክርነቱ ይህብ።

ዓመተ 2016 ካብ እትፍለም፣ ክሳብ ሰኑ 3 ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ እዋን፣ 132 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣሎያ ክሰግሩ እንከለዉ፣ ብውሕዱ 3034 ከኣ ከምዝሞቱ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት የመልክት።

ኣስታት ሓደ ሲሶ ካብዚኣቶም ዜጋታት ኤርትራ’ዮም።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0