መንግስቲ ኤርትራ ዋጋታት ነዳዲ የጉድል

Radio Erena: 05 October 2016

Gas

ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ኣንቖልቑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ኣብ ዋጋታት ነዳዲ ምጉዳል ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ካብ 4 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ግብራዊ ዝኸውን ምምሕያስ ዋጋታት ነዳዲን ታሪፍ መጓዓዝያን ብዝብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ 30 ናቕፋ ዝነበረ ንሓደ ሊትሮ ናፍታ ናብ 20 ናቕፋ፣ 45 ናቕፋ ዝነበረ ሊትሮ ቤንዚን 30 ናቕፋ፣ 18 ናቕፋ ዝነበረ ሊትሮ ላምባ ድማ ናብ 10 ናቕፋ ከምዝወረደ’ዩ ሓቢሩ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ብደረጃ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ከንቆልቁል ከምዝጸንሀ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ንሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ 50 ዶላር በጺሑ ኣሎ።

 

ብደረጃ ዓለም ዋጋታት ነዳዲ መዓልታዊ ምጉዳል ከርኢ እንከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ግና ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ዝኾነ ናይ ዋጋታት ምምሕያስ ከየርኣየ’ዩ ጸኒሑ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ነዳዲ ብዝኸበረ ዋጋ ዝሽየጠለን ሃገራት ዓለም ኮይና፣ ኣብ ርእሲኡ’ውን ብፍላይ ናፍታ ብቀሊሉ ዝርከብ ከምዘይኮነ ይፍለጥ።

እዚ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመታት ንፈለማ እዋኑ ተተግቢሩ ዘሎ ምምሕያሽ ዋጋታት ነዳዲ፣ ነቲ ብሕሰም መነባብሮ ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ክኾኖ ዝክእል እኳ እንተኾነ፣ ዋጋታት ነዳዲ ብምምሕያሽ ጥራይ ግና ማሕበራዊ ድሕነት ህዝቢ ምርግጋጽ ከምዘይክኣል ዝተፈላለየ ወገናት የረድኡ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0