“ሱዳን ካብ መዝገብ ሽብራ ክትስረዝ እንተኾይና፣ ቅድመ ኩነት ዘለዎ መስርሕ’ዩ” ቲቦር ናዢ

Radio Erena: 19 November 2019

“ሱዳን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከም መባእስቲ ኣይንሪኣን ኢና” ክብል ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ቲቦር ናዢ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ከተልዕሎ ድያ ተባሂሉ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ “ኣይፋሉን” ድሕሪ ምባል ምእላይ እገዳ ኣብ ዝተፈላለየ ቅድመ ኩነታት ዝምርኮስን ግዜ ዝወስድ መስርሕን’ዩ ክብል ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ሱዳን ብዝርአ ዘሎ ምዕባለታት፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ ብዝቐልጠፈ ከተልዕሎ ተስፋ ተነቢሩ እኳ እንተነበረ፣ ብኣንጻሩ ክትቅጽሎ ምውሳና፣ ኣብ ብዙሓት ወገናት ኣሉታዊ ስምዒታት ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ሱዳን፣ ንመራሒ ኣልቓዒዳ ዝነበረ ኦሳማ ቢንላደን፣ ካብ 1992 ክሳብ 1996 ኣብ መሬታ ክነብር ድሕሪ ምፍቃዳ ምፍቃድን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጸ እታ ሃገር ንግብረ ሽበራ ትምውል እያ ብዝብል ክስታትዩ ኣመሪካ ካብ 1993 ዝጀመረ ነታ ሃገር ኣብ መዝገብር ሽበራዊ ዝምውላ ሃገራት ኣስፊራታ።

ብኡ መሰረት ድማ እታ ሃገር ካብ ባንክ ዓለም ይኹን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ማለት IMF ልቓሕ ክትወስድ ይኹን ፊናንስያዊ ሓገዛት ክርከብ ከም ዘይትኽእል ይፍለጥ።

ኣብ ግዜ ስርዓት ኣልበሺር ናብ ዝተሓተ ደረጃ ዝወረደ ቁጠባ ሱዳን፣ ኣብዚ ሕጂ ናይ ለውጢ እዋን ንምብርባሩ ኣብ ልዕሊኣ ብኣመሪካ ጸኒዑ ዘሎ እገዳታት ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ምህላዉ እዮም ተንተንቲ ፖለቲካ ዝወቕሱ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0