ቀይሕ ባሕሪ፣ መራኽብ እትስሕብ ጃልባ ስዑዲ ዓረብ ብዕጡቓት ሑቲ ምትሓዛ ተገሊጹ

Radio Erena: 20 November 2019

መራኽብ እትስሕብ ጃልባ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብጡቓት ሑቲ ከምዝተታሕዘት ንግስነት ስዕዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እታ ጃልባ፣ ዋንነት ደቡብ ኮርያ ዝኾነ፣ ኣብ ኩዕታ ነዳዲ ዝዋፈር፣ ግዙፍ ተንሳፋፊ ማሺን ኣብ እትስሕበሉ ዝነበረት እዋን፣ ብሰንበት 17 ሕዳር፣ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ፣ ብጃልባ ዝመጹ ዕጡቓት ከምዝተጨውየት እቲ መግለጺ ኣገንዚቡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሳይፍ ናብ ዝተባህለ ገማግም ባሕሪ የመን ተወሲዳ ምህላዋ ኣፈኛ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ኮለነል ቱርኪ ኣል ማሊኪ ንማዕከናት ዜና ገሊጹ።

እንተኾነ ምስታ ጃልባ ተታሒዞም ዘለዉ ብዝሒ ባሕረኛታት ኣይጠቐሰን።

ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ክልተ ዜጋታቱ ምስታ ጃልባ ከምዝተታሑዙ ኣፍሊጡ።

ኣል ማስርያ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ብወገኑ፣ ኣቐዲመን ክልተ ተመሳሳልቲ ጃልቡ ስዑዲ ዓረብ፣ ብሑቲ ከምዝተታሕዝኣ ኣመልኪቱ።።

ሑቲ፣ ብዛዕባ’ታ ተታሒዛ ዝብሃል ዘሎ ጃልባ ብዝምልከት ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0