ሱዳን ሓድሽ ሕጊ መንበሪ ፍቓድ ኣውጺኣ

ሱዳን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይበሎም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ክትሰጎም ምዃና ኣፍሊጣ።

    ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኩሎም እቶም ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ክሳብ ዝተወሰነ እዋን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ እንተዘይሒዞም፣ ነናብ ዓዶም ክስጎጉ’ዮም።

    ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ሱዳን ዝርከባ ኤምባሲታት ንዜጋታተን ከጠንቕቓ ካብ መንግስቲ ሱዳን መምርሒ ከምዝተዋህበን’ውን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ባበከር ኣሕመድ ዲግና ሓቢሩ።
ኣብ ሱዳን ንዝበሩ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ሓድሽ መንበሪ ፍቓድ ክዕደሎም ምዃኑ’ውን እቲ ሚኒስተር ኣረጋጊጹ።

    ኣብ ሱዳን ንዝኾነ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሉ ስደተኛ ዘዕቆበ’ውን ከቢድ መቕጻዕቲ ክብየነሉ ምዃኑ እቲ መግለጺ ናይቲ ሚኒስተር የጠንቕቕ።

    ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ብዘይካ’ዚ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሱዳንን ሲናይን ግኑን ኮይኑ ዘሎ ምስግጋርን መሸጣን ደቂሰብ ብዝምልከት ምስ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ክሰርሑ ጀሚሮም ምህላዎም ኣረዲኡ።

    ብብዝሒ ዝርአ ዝነበረ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ናብ ሱዳን’ውን ብኡ መጠን ካብቲ ዝነበሮ ጎዲሉ ምህላዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

    ብኣንጻሩ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ካብቲ ዝነበሮ ቁሩብ ምውሳኹ እቲ ኮሚሽን ገሊጹ ኣሎ።
ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ጥራይ፣ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 110 ሽሕ ስደተኛታት ኤርትራ ክህልዉ እንከለዉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ 72 ሽሕ ምብጽሑ ጸብጻብ UNHCR ይሕብር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0