ዝቕባበ ባጤራ ናቕፋ ብልዕሊ 20% ይንህር

ዝቕባበ ባጤራ ናቕፋ ካብ መወዳእታ 2012 ጥራይ ብልዕሊ 20 ሚእታዊት ከምዝንሃረ ተገሊጹ።

    ኣብ ቁጠባ ሃገራት ዘተኩር ሙንዲ ኢንዴክስ፣ ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ኣተኩሩ ኣብ ዘቕረቦ ዝርዝራዊ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ኣብ መንጎ ወጻኢታትን ኣታውን ዘሎ ጋግ ክሳብ 217 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ብምሕባር፣ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ እቲ ኣውራ ጠንቒ ዝቕባበ ምዃኑ የረድእ።

    80 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ መነባብርኡ ኣብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ ደኣ ይኹን’ምበር፣ ሓፈሻዊ ዓመታዊ እቶት ኤርትራ ካብ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ዘይሓልፍ ብምዃኑ ምስተን ኣዝየን ድኻታት ዝብሃላ ሃገራት ከምእትስራዕ’ውን እቲ ጸብጻብ የመልክት።

    27 ሚእታዊት ካብ ዓመታዊ ሓፈሻዊ እቶት ኤርትራ ካብ ግብርን ካብ ወጻኢ ዝርከብ ሓዋላን ክርከብ እንከሎ፣ ካብ ወፍርን ንግድን 27.5 ሚእታዊት እቶት ከምእትረክብ ይጥቀስ።

    ልዕሊ 50 ካብ ሚእቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት’ዩ ዝነብር ዝበለ ጸብጻብ ሙንዲ ኢንዴክስ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ዳርጋ ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ማለት እቲ 1.9 ሚልዮን ዝግመት ዓያዩ ሓይሊ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

    እንተኾነ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ውትህድርናን፣ ብዝሒ ሽቕለት ኣልቦነት ብልክዕ ክግምገም ኣይከኣለን።

    ብመምዘኒ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ቁጠባ ኤርትራ ካብቲ ወዲቕሉ ዘሎ ብኣስታት 7 ሚእታዊት ክትንስእ ትጽቢት እኳ እንተሎ፣ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ዝኾነ ልውጢ ከምዘየምጽእ ይግለጽ።

    ኣብ ባንክታት ኤርትራ ንሓደ ዶላር ኣመሪካ 15.38 ናቕፋ ይሽረፍ እኳ እንተሎ፣ ምስዚ ንሂሩ ዘሎ መጠን ዝቕባበ ግና ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ንሓደ ዶላር ኣመሪካ ክሳብ 4 ሽሕ 500 ናቕፋ ዝሽረፈሉ እዋናት በጺሑ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0