ሱዳን፣ ዋሕዲ ‘መድሕን-ህይወት’ ዝኾኑ መድሃኒታት ኣጋጢሙ

ሱዳን፣ ዋሕዲ ‘መድሕን-ህይወት’ ዝኾኑ መድሃኒታት ኣጋጢሙ

Radio Erena: 29 November 2018

sudan pharmacyኣብ ሱዳን፣ ዋሕዲ ‘መድሕን-ህይወት’ ዝኾኑ መድሃኒታት ኣጋጢሙ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብቋንቋ ዓረብ ዝዳሎ ማዕከን ዜና ኣፍሪጌትስ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ሚኒስተር መሓመድ ኣቡዛይድ፣ ብሰሉስ 27 ሕዳር፣ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዋሕዲ ከም ክታበት ጸረ-ቲታነስ ዝኣመሰለ ኣገደስቲ መድሃኒታት ኣጋጢሙ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ እቲ ጠንቂ፣ ነቲ መድሃኒታት ዘፍርያ 33 ኩባንያታት፣ ዘይተኸፍለን 34 ሚልዮን ኤውሮ ውህሉል ዕዳ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

68 ዓይነታት ካብቶም ኣገደስቲ ዝብሃሉ መድሃኒታት፣ ገሊኡ ንሓደ ወርሒ ገሊኡ ድማ ንክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ዘጽንሕ፣ ከም ትሕጃ ኣብ መኽዘን ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ሚኒስተር፣ ናይ ብሕቲ ፋርማሲታት’ውን እቲ ቀረብ ከምዘይብለን ኣፍሊጡ።

ህይወት ዘድሕኑ ዝብሃሉ ከም ክታበት ዝዓይነቶም መድሃኒታት ብናይ ብሕቲ ፋርማሲታት ክውነኑ ፍቑድ ኣይኮነን።

እቲ ሚኒስተር፣ ነዞም ድሕሪ ኣዋርሕ ጠቕሊሎም ክስኣኑዮም ዝበሎም መድሃኒታት ንምዕዳግ 19 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ’ዩ ጠቒሱ። እዚ ማለት ምስቲ ዘይተኸፍለ ዕዳ ተደሚሩ፣ 53 ሚልዮን ኤውሮ ክበጽሕ’ዩ።

እዚ ኩነታት ነቲ፣ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ዝርከብ መንግስቲ ሱዳን ሓደ ካብ ዓበይቲ ብድሆታት ኮይንዎ ይርከብ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብሰንኪ ገጢምዎ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝቕባበን፣ ኣብ ነዳዲ፣ ባኒን መድሃኒታትን ክገብሮ ዝጸንሐ ድጎማታት ከምዘጉደሎ ይፍለጥ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0