ኣብ የመን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኣስታት 400 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ይምለሱ

ኣብ የመን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኣስታት 400 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ይምለሱ

Radio Erena: 29 November 2018

ethi in yemenኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ተቐርቂሮም ዝጸንሑ ኣስታት 400 ኢትዮጵያውያን ብሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ናብ ሃገሮም መሊሶም።

እቶም ኣስታት 200 ድሮ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ተፋንዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ዝሓበረ እቲ ማሕበር፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብዘን ክልተ መዓልታት ክግዕዙ’ዮም።

እቲ ማሕበር ብዘይካ’ዚ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት፣ ልዕሊ 140 ሶማላውያን፣ ካብ ከተማ ዓደን፣ ናብ ሃገሮም ብመርከብ ኣፋንዩ።

ብኵናት ኣብ እትሕመስ ዘላ የመን፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኤርትራን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ትካላት ግብረ ሰናይ የመልክታ።

እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ግጭት እኳ እንተላ፣ ናብ ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንምስጋር ዝሕልኑ ስደተኛታት ይውሕዝዋ ከምዘለዉ ይግለጽ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0