ሱዳን፣ ወተሃደራዊ ቆንስል ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ብሓላፍነት ይኽሰስ

Radio Erena: 02 June 2019

ኣብ ሱዳን ግዚያዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካዪድ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን ጎነጻዊ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ ክብል ማሕበር ሞያውያን’ታ ሃገር ከሲሱ።
ንህዝባዊ ምልዕዓል ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ እቲ ማሕበር ብዓርቢ 31 ግንቦት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ነፍሰ-ጾር እትርከቦም ሓያሎ ሰልፈኛታት ብወተሃደራት ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።
እቲ ማሕበር ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ብምቁጽጻር ጽልኢ ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ዝፈጥር ፕሮፓጋንዳ ኣብ ምንዛሕ፣ ከምኡ’ውን ዝኾነ ንተቓውሞ ህዝቢ ዝምልከት ትሕዝቶታት ከይቃላሕ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ምፍርራህ የካይድ ከምዘሎ ከሲሱ።
ከም ዝዝከር ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ቤት ጽሕፈት ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ካርቱም ከምዝዕጾ ተገይሩ’ዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዘይምቁጽራጽ ሰላማዊ ሰልፊ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ከተማ ካርቱም፣ ከም ፍሉይ ግዝኣት ተቓወምቲ ሓይልታት ክረአ ጀሚሩ ከምዘሎ፣ ሰራዊት መንግስቲ ከኣ ነቲ ከባቢታት ብፍሉይን ብሜላን የጥቅዕ ከምዘሎ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት የረድኡ።
ማሕበር ሞያውያን ሱዳን ኣብ መወዳእታ፣ ናይ’ቶም ኣብዚ ቅንያት’ዚ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ እንከለዉ ዝተቐትሉ ሰባት ምሉእ ሓላፍነት ዝወስድ እቲ ቆንስል ሙዃኑ ብምግላጽ፣ ጎነጻዊ ስጉምቲ፣ ንኩነታት’ታ ሃገር ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከውርዶ እንተዘይኮይኑ፣ ፍታሕ ከምዘየምጽእ ኣዘኻኺሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0