ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝምስረት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምምስራት ዝካየድ ጻዕሪ ይቕጽል

Radio Erena: 02 June 2019

ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝምስረት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምምስራት ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዝዘተየ ዋዕላ ብ30 ግንቦት ተኻዪዱ።
እዚ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፍኦ ዋዕላ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ንግዳዊ ንጥፈታት ካብ ቀረጽ ናጻ ወይከኣ ስማዊ ቀረጽ ብምትማን፣ ካብን ናብን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ንግዳዊ ልውውጥ ከዕዝዝ ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።
ዛጊት ኣብቲ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ዘይተጸምበራ ሃገራት፣ ኤርትራ፣ በኒን ከምኡ’ውን ናይጀሪያ እየን።
እተን ኣባል ሃገራት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየደኦ ዋዕላ፣ ካብቲ ዝቐውም ንግዳዊ ስርዓተ ሕጊ 22 ነጥብታት ገና ምሉእ ብምሉእ ዘይጸደቐ ክኸውን እንከሎ፣ 24 ሃገራት ግና ተሰማሚዐን ወዲኤን ኣለዋ።
ናይጀሪያ ነቲ ንግዳዊ ሕጊ ብክኢላታታ ትምርምሮ ከምዘላ ክትገልጽ እንከላ፣ ካብ ኤርትራን በኒንን ዛጊት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ከምዝፍለጥ ኤርትራ ንሓያሎ ዓመታት ዓመታዊ ባጀታ ብምስጢር ሒዛቶ ምጽናሓ ይፍለጥ።
ጉጅለ ልኡኽ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ካብ 13 ክሳብ 22 ግንቦት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኤርትራ ኣብ ሕማቕ ቁጠባዊ ኩነታት ከምእትርከብ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0