ሱዳን፣ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ዑመር ኣል በሺርን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ነበርን ከምዝወጹ ተገሊጹ

Radio Erena: 27 April 2023

ኣብ ሱዳን ድሕሪ ዝተወልዐ ኵናት፣ ሕንፍሽፍሽን ስርዓት ኣልቦነትን እናነገሰ ይመጽእ ብምህላዉ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝነበሩ ቅዩዳት ከምዝወጹ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኮባር ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ዝጸንሑ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሺርን ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱን ርጡብ ሓብሬታ ክርከብ ብዘይምኽኣሉ፣ ኩነታቶም ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክወሃበሉ ቀንዩ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ናይቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ዝተኣልየ ስርዓት ዝኾነን ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝህደንን፣ ኣሕመድ ሃሩን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወጸ ብ25 ሚያዝያ፣ ጣይባ ንዝተባህለት መደበር ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ምስኡ ካልኦት እሱራት’ውን ከምዝወጽኡ እኳ እንተገለጸ መነመን ምዃኖም ኣይጠቐሰን።

ሰራዊት ሱዳን፣ ድሕሪ መግለጺ ናይቲ በዓል ስልጣን ነበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ዑመር ኣልበሺርን ካልኦት ሰበ ስልጣናት ነበርን፣ ቅድሚ ምውላዕ እቲ ኵናት፣ ኣብ 15 ሚያዝያ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ወትሃደራዊ ሆስፒታል ከምዝገዓዙ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ዘሎ ናይ ኵናት ሃዋህዉን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮባር ብዝጋጠመ ዋሕዲ ቀረባትን፣ እሱራት ናጻ ክወጹ ከምዝተገብረ ዝሕብሩ፣ ብቕትለትን ካልእን ዝተኸሰሱ፣ ሓያሎ ናይ ገበን እሱራት፣ ስርዓተ ሕጊ ኣብ ዝነገሰሉ፣ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ተመሊሶም፣ ናብ ፍርዲ ከምዝቐርቡ ይጠቕሱ።

ምስ ኣልበሺርን ካልኦት ሰበ ስልጣናትን፣ ብሓባር ብዝተፈላለየ ገበናት ተኸሲሱ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ፣ ኣሕመድ ሃሩን’ውን፣ ብቑዕ ፍድራዊ መስርሕ ኣብ ዝቖመሉ፣ ዳግም ክቐርብ ድሉው ምዃኑ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ሃቢሩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0