ሱዳን፣ ኣስታት 300 ሽሕ ዘይሕጋዊ ጠበናጁን ተተኮስትን ተቓጺሉ

Radio Erena: 01 October 2020

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ውልቀሰባት ጸኒሑ ንዝበሎ ኣስታት 300 ሽሕ ጠበናጁን ተተኮስትን ከምዘቃጸለ ኣፍሊጡ።

እቲ ጠበናጁን ተተኮስትን፣ ኣብዚ ሰለስተ ዓመታት ዝተኣከበ ኮይኑ፣ ዝበዝሐ ካብኡ ህዝቢ ብወለንትኡ ናብ መንግስቲ ዘረከቦ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ብ30 መስከረም፣ ኣብ ሰሜናዊ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሓጃር ኣል ዓሳል ዝተኻየደ ናይ ምቅጻል ስነ ስርዓት፣ ምኒስተር ምክልኻልን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ወከልቲ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታትን ተረኺቦም።

እቲ ዝተቓጸለ ዘይሕጋዊ ጠበናጁ፣ ብሰለስተ መስርሓት ዝተኣከበ ምዃኑ ዝገለጸ፣ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ሜጀር ጀነራል ኢብራሂም ጃብር፣ ተሪፉ ዘሎ እቲ ራብዓይ ብግዴታን ብሓይሊን ጠበናጁ ናይ ምእካብ መስርሕ ጥራይ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ሱዳን፣ ፈቐድኡ ተዘርዩ ዘሎ ዘይሕጋዊ ጠበናጁ ንምእካብ ኣብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፣ ጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ሓገዙ ከበርክተላ እቲ ጀነራል ተማሕጺኑ።

ሱዳን፣ ሓንቲ ካብተን ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ብብዝሒ ዝሰጋገረለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ’ያ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0