ሶማል፣ ኣብዘን ዝቕጽላ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ 2.1 ሚልዮን ህዝቢ ስእነት መግቢ ከንጸላልዎ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

Radio Erena: 02 October 2020

ኣብ ሶማል፣ ካብ ወርሒ ጥምቅቲ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ 2.1 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ፣ ስእነት መግቢ ከንጸላልዎ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

ድሮ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ዕልቕልቕን፣ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ህዝቢ ናይ መግቢ ዋሕዲ ኣንጸላልይዎ ምጽንሑ ዝጠቐሰ እቲ ውድብ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ስእነት ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ክሰጋገርን ብዝሒ ህዝቢ ድማ ክዛይድን ምዃኑ ኣመልኪቱ።

በዚ ናይ ጥሜት ሓደጋ ብዝያዳ ክጽለዉ ምዃኖም ተገሚቱ ዘሎ፣ ኣብ ርሑቕ ገጠራት፣ ኣብ ልምዳዊ ንጥፈታት ሕርሻን ምርባሕ ከብትን ጤለበጊዕን ዝተዋፈሩን ካብ መነባብርኦም ተፈናቒሎም ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ዝርከቡን’ዮም።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0