ሱዳን፣ ን24 ሰዓታት ዝጸንሐ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኽሲ ሎሚ ክፈርስ’ዩ

Radio Erena: 19 April 2023

ኣንጻር ‘ቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ ኵናት ዘካይድ ዘሎ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፣ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ውጻኢ ኣመሪካ ድሕሪ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ን24 ሰዓታት ቶኽሲ ንምቑራጽ ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ።

ንሱ ኣብቲ ብትዊተር ዘዘርግሖ መልእኽቲ፣ ምስቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ዘካየዶ ዝርርብ ኣገዳሲ ምንባሩ ብምጥቃስ፣ ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ክሳብ ዝወጽኡን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምሕላፍን፣ ሓይልታቱ ንሓደ መዓልቲ ቶኽሲ ደው ከምዝበሉ ሓቢሩ።

እንተኾነ፣ ጀነራል ሐሚቲ ቶኽሲ ንምቑርራጽ ድሕሪ ምስምምዑ’ውን ኣብ ከባቢታት ካርቱም ቶኽሲ ክስማዕ ከምዝሓወዓለን ከምዝሓደረን ማዕከናት ዜና ኣረጋጊጸን።

ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ ነቲ ስምምዕ ከምዝተቐበሎ እኳ እንተሓበረ፣ ኣብ ግንባራት ዝርከቡ ገለ ክፋል ሰራዊት መንግስቲ ግና ቶዅሲ ከምዘየቋርጹ ምግላጾም ተሓቢሩ።

እቲ ን24 ሰዓታት ዝጸንሐ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፣ ሎሚ ብወግዒ ክፈርስ’ዩ።

ክልቲኦም ሓይልታት ሱዳን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ውግእ ልዕሊ 200 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣስታት 2 ሽሕ ድማ ቆሲሎም።

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ብ ‘ሓይልታት ፈጣን ወሃቢ ድጋፍ’ ዝፍለጥ ተወርዋሪ እዚን ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ደው ንምባል ዝቐረበ ዞባውን ኣህጉራዉን ጻውዒታታት ዛጊት እወታዊ ምላሽ ኣይረኸበን።

ክልቲኦም ወገናት፣ ክዕወቱ ምዃኖም ዝገልጽሉ ዘለዉ ኵናት፣ ብፖለቲካዊ ዘተ እንተዘይኮይኑ ካልእ መፍትሒ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ተንተንቲ ይሰማምዑ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0