‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝልኣኻ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰራሕተኛታት ገዛ ይምልምል ኣሎ’

Radio Erena: 18 April 2023

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝልኣኻ ኣስታት ፍቅሪ ሚልዮን ሰራሕተኛታት ገዛ – ዓማላት መንዝልያ ወይ ካዳማት ይምልምል ከምዘሎ ኣልጀዚራ ሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ንዝርከባ፣ ካብ 18 ክሳብ 40 ዓመት ዝዕድሚኤን ዜጋታቱ ክምዝገባ ጻውዒት ኣቕሪቡ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ምንጪ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ 150 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል፣ ንኣመሓደርቲ ብምጥቃስ ኣገንዚቡ።

እተን ብወጻኢታት መንግስቲ ሰልጢነን ብወጻኢታት መንግስቲ ናብ ስዑዲ ዓረብ፣ ዓማላት መንዝልያ ወይ ናይ ገዛ ስራሕ ዝዋፈራ ደቂንስትዮ፣ ወርሓዊ ደሞዘን ኣስታት ሓደ ሽሕ ሪያል (ኣስታት 260 ዶላር) ከምዝበጽሕ’ዩ ተመልኪቱ።

ኣብ ስዑዱ ዓረብ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ዝተባህሉ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ በብእዋኑ ተገፊፎም፣ ኣብ ማእሰርቲ ኣሰቓቒ ግፍዕታት ክወርዶም ከምዝጸንሐ ጸብጻባት ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይጠቕስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ተገፊፎም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ልዕሊ 150 ሽሕ ዜጋታቱ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዓዶም ከዝመለሰ ይዝከር።

 

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0