ሱዳን፣ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ የምርሑ ምንባሮም ዝሓበሩ 101 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ፍርዲ ኣቕርባ

ሱዳን፣ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ የምርሑ ምንባሮም ዝሓበሩ 101 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ፍርዲ ኣቕርባ

Radio Erena: 23 July 2015

101egy

ሱዳን፣ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ የምርሑ ኔሮም ዝበለዎም 101 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪባቶም።

እቶም ኣብ ክሊ ማይ ሱዳን ድሕሪ ምብጻሖም ዝተታሕዙ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ኣብ ፈለማ 108 እኳ እንተኾኑ፣ ሽዱሽተ ካብኣቶም ትሕቲ ዕድመ ሓደ ድማ ዕድመ ዝደፍኣ ሽማግለ ብምንባሮም ናጻ ከምዝተለዉ ኣሕራም ኦንላይን ገሊጹ።

እቶም ናብ ቤት ፍርዲ ሱዳን ቀሪቦም ዘለዉ ግብጻውያን ገፍፍቲ ዓሳ፣ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ዘምርሕሉ ዝነበሩ ምኽንያት ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ንምውፋር ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

 

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደል ዓቲ ንኣሕራም ኦንላይን ኣብ ዝህቦ መረዳእታ፣ መንግስቲ ግብጺ ብመንገዲ’ቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ኣቢሉ ንጉዳይ እቶም ግብጻውያን ይከታተሎ ምህላዉ ጠቒሱ።

ሱዳን፣ ነዞም ናብ ኤርትራ የምርሑ ምንባሮም ዝተቐሱ ኣብ ክሊ ማያ ዝሓዘቶም ግብጻውያን ምስቶም ኣብ ግብጺ ተቀይዶም ዘለዉ 24 ዜጋታት ክትለዋወጦ ተኽእሎ ከምዘሎ’ውን ምንጭታት ዜና ካብ ካርቱም የመልክቱ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብፍላይ ኣብቲ ንኤርትራን የመንን ዘዋስን ክሊ ማይ፣ ግብጻውያንን የመናውያንን ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ከምዝፍጽሙ’ዩ ዝንገር።

ኣማኢት ካብዞም ገፈፍቲ ዓሳ’ውን በብእዋኑ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተሓዙ ይፍለጥ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0