ኣብ ሮማ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ተቓውሞ ተኻይዱ

ኣብ ሮማ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ተቓውሞ ተኻይዱ

Radio Erena: 23 July 2015

rome demo

ኣብ ኢጣልያ፣ ከተማ ሮማ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞ ተኻይዱ።

እቶም ብሕሉፋት የመናውያን ሰልፍታት ተወዲቦም ናይ ተቓውሞ ሰልፍን ናዕብን ዘካየዱ ኢጣልያውያን፣ ስደተኛታት ኣብ ጎደናታት ንዝሓድርሉ ዝነበሩ መናጽፍን ኮቦርታታትን ከምዘቃጸሉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ፖሊስ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብብዝሒ ንዝርከቦውም ኣማኢት ስደተኛታት ክወርዶም ካብ ዝኽእል ሓደጋታት ንምድሓን ናብ ኣብያተ ትምህርትን ግዝያዊ መዕቆቢታትን ከምዘግዓውዞም’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

 

እቶም ሰለፈኛታት ኣብቲ ኣንጻር ስደተኛታት ዘካየድዎ ናዕቢ ምስ ፖሊስ ድሕሪ ምግጫዎም፣ ብውሕዱ 14 ኣባላት ፖሊስ ብፎኵስ ከምዝቖሰሉ ማዕከናት ዜና ካብ ሮማ ሓቢረን።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብዓርቢ 17 ሓምለ ዝተኻየደጎነጽ ዝተሓወሶ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ዳግም ከይለዓዓል ፖሊስ ኢጣልያ ኣብቲ ስደተኛታት ዝርከብሉ ከባቢታት ብብዝሒ ተዋፊሮም ኣለዉ።

ካብ ሊብያ ዝወሓዙ ስደተኛታት ኣብ ከተማታት ኢጣልያ ብፍላይ ኣብ ሮማን ሚላኖን ኣብ መናሃርያ ባቡራትን ኣውቶቡሳንትን ከምኡ ድማ ኣብ ጎደናታት ይሓድሩ ምህላዎም ይፍለጥ።

ምምሕዳራት ከተማ ሮማን ሚላኖን ምስ ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ትካላት ግብረ ሰናይን ብምትሕብባር፣ ስደተኛታት ግዝያዊ መጽለልን መግብን ዝረኽብሉ ቦታ እኳ እንተዳለዉ፣ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ይመጽእ ምስ ምህላዉ፣ ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ጎደናታት ክሓድሩ ይርኣዩ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሰት 600 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ድሒና።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ሲቺልያ ከተማ መሲና ኣብ ግዝያዊ መዓስከር ተዓቝቦም ከምዘለው’ውን ተገሊጹ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0