ሱዳን፣ ተወሳኺ ሰራዊት ናብ የመን ክትልእኽ’ያ

ሱዳን፣ ተወሳኺ ሰራዊት ናብ የመን ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: 08 December 2015

sud yem

እታ ሃገር ኣቐዲማ ዝልኣኸቶም ኣስታት 900 ወትሃደራት፣ ኣብ ከተማ ዓደን ኣብ ሓለዋ ዝተፈላለየ ትካላት መንግስቲ የመን ተዋፊሩ ከምዘሎ ዝሓበሩ ምንጭታት ዜና፣ ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣስታት 1500 ተወሳኽቲ ወትሃደራት ንምልኣኽ ምስ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፣ ሰራዊት ሱዳን ኣንጻር ተቓወምቲ ሑቲ ኣብ ዝተኻየደ ፈላሚ ወትሃደራዊ ስርሒት ከምዝተሳተፈ ዝሓበራ ካልኦት ማዕከናት ዜና ከኣ፣ ብውሕዱ ሓደ ወትሃደር ሱዳን ከምዝተቐትለ ኣፍሊጠን።

ይኹን’ምበር፣ ሱዳን ኣብ የመን ዝተቐትለ ወትሃደር ከምዘይብላ ብምጥቃስ ነቲ ሓበሬታ ነጺጋቶ ኣላ።

 

ኣምሳያ ናይቲ ሱዳን፣ ነቲ ብሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ንምድጋፍ ናብ የመን ዘዋፈረቶ ሰራዊት፣ ቢልዮናት ዶላራት ሓገዝ ክትረክብ’ያ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣማሓዳሪ ከተማ ዓደን ጃዕፈር ሰዓድ፣ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነታጕ ተቐቲሉ።

ኣብዚ ቀረባ ብፕረዚደንት የመን ዝተመዘዘ ኣምሓዳሪ ከተማ ዓደን ዝዓጀበ ቓፍላይ ኣብ ከተማ ዓደን ኣብ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ እዋን፣ ነታጕ ዝተጻዳ መኪና ጠኒና ብምእታው’ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

እቲ ኣማሓዳርን ሽዱሽተ ዓጀብቱን ብንኡ ንብኡ ከምዝተቐትሉ መንግስቲ የመን ኣረጋጊጹ።

ኣብ የመን ዝንቐሳቐስ ጉጅለ ዳዒሽ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0