ሕ.ኤ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝተመባጽዖ 200 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ብሰንኪ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ተሰናኺሉ ምህላዉ ተገሊጹ

ሕ.ኤ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝተመባጽዖ 200 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ብሰንኪ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ተሰናኺሉ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 07 December 2015

EU er

ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝሰልዖ 200 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ንኸይክትም ኣብታ ሃገር ብዘንኪ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት መሰናኽል ኮይኑ ምህላዉ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ካብቲ ሕብረት ሓቢሮም።

እቲ ሕብረት፣ እዚ ንኤርትራ ዝሰልዖ ብዝሒ ገንዘብ፣ ኣካል ናይቲ ንኩለን’ተን ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ “ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ልምዓታዊ ሓገዝ ምብርካት” ብዝብል ፖሊሲ ዘዳዎ 1.2 ቢልዮን ዶላር’ዩ።

 

ይኹን’ምበር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣውራ ጠንቒ ስደት፣ ቁጠባዊ ስለዘይኮነ፣ ብልምዓታዊ ሓገዝ ዝፍታሕ ከምዘይኮነ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ጥርዓናቶም ብቀጻሊ የቕርቡ ኣለው።

ኣውራ ጠንቒ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝተፈጥረ ጸገማትን ምዃኑ ዝሕብሩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ እቲ ሕብረት ንመንግስቲ ኤርትራ 200 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ቅድሚ ምልጋሱ፣ እቲ መንግስቲ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ ይጠልቡ።

ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ’ውን እቲ ልምዓታዊ ሓገዝ ንምብርካት ስምምዕ ቅድሚ ምኽታሞም፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምዕዛብን ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ንምዝርራብን ተደጋጋሚ እዋን ኣብ ኤርትራ ዑደት ከምዘካየዱ ይዝከር።

ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ምስ ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዘካየድዎ ርክባት፣ እቲ መንግስቲ ነቲ “ብሰንኪ ወራር ወያነ’ዩ ተናዊሑ ዘሎ” ዝበሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ከምዝመለሶ’ዮም ዝገልጹ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርጀቡ ኣምባሳደራትን ወከልቲ ህግደፍ’ውን ብወገኖን፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ናብ 18 ኣዋርሕ ከምዝተመልሰ’ዮም ዝገልጹ።

እንተኾነ ኣውራ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ምዃኑ ዝዝረበሉ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ናይ ግዜ ገደብ ከምዘይተገብረሉ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ምምልካቱ ኣይርሳዕን።

=====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0