ሱዳን፣ ብተወርዋሪ እዚ ዝመሓደር ኣብያተ ማእሰርቲ ክዕጾ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 19 January 2021

ኣብ ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም፣ ኣንጻር’ቲ ብተወርዋሪ እዚ ዝፍለጥ ፍሉይ ሓይሊ፣ ዝመሓደር ኣብያተ ማእሰርቲ ክዕጾ ዝውጽዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ብ17 ጥሪ፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብተወርዋሪ እዚ ዝፍለጥ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን፣ ዝመሓደር ኣብያት ማእሰሪ ከብቅዕን፣ ሓይልታት ጸጥታኡ ሰለማውያን ሰባት ካብ ምእሳር ደው ከብሉን’ዩ ጸዊዑ።

ጉዳይ ኣብያተ ማእሰርቲን እሱራን ብፖሊስ ሱዳን ክመሓደር ዝጸውዐ እቲ ሰልፊ፣ በቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ 2018 ንዝተቐትሉ ሱዳናውያን’ውን ዝኽሪ ኣካይዱ።

ብRapid Support Forces ወይ ድማ ተወርዋሪ እዚ፣ ዝፍለጥ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን፣ ብጀነራል ሓምዳን ደጎሎ ዝምራሕ ኮይኑ፣ ስርዓት ኣልበሺር፣ ተቓወምቲ ዳርፉር ንምድምሳስ ዘቖሞ ናይ ፓራሚሊታሪ ኣሃዱ’ዩ።

እቲ ሓይሊ፣ ናብ ሊብያ ዝውሕዙ ንዝነበሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ምህዳን’ውን ተዋፊሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣንጻር ስርዓት በሺር ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ድማ ነቲ ተቓውሞ ንምብታን ናብ ካርቱም ድሕሪ ምምጽኡ፣ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተለን ከምዘቑሰለን ይውቀስ።

ወትሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን፣ ንስርዓት በሺር ድሕሪ ምእላዩ፣ መራሕቲ ናይቲ ተወርዋሪ እዚ፣ ኣካል ናይቲ ናይ መሰጋሪሪ መንግስቲ ኮይኑ፣ ከም ምክትል ኣቦ መንበር መሰጋግሪ ባይቶ ሱዳን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ተወርዋሪ እዚ ድማ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ ባዕሉ ብዝውንኖ ሓይልታት ጸጥታን ኣብያተ ማእሰርቲን፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ግፍዕታት ይፍጽም ምህላዉ ሱዳናውያን ተቓውሞታቶም የስምዑ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0