ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ክሳብ 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ከጽንሖ ዝኽእል ምርጫ ከምዝተዓወተ ገሊጹ

Radio Erena: 18 January 2021

ኣብ ኡጋንዳ፣ ብ14 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ፣ ን35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት፣ 59% ናይ ድጋፍ ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ቀንዲ ተወዳዳሪኡ፣ መንእሰይ ቦቢ ዋይን 35% ድምጺ ከምዝረኸበ እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር ቦቢ ዋይን፣ ነቲ ብኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ዝተነግረ ውጽኢት ነጺግዎ ኣሎ።

ድሕሪ ምንጋር ውጽኢት ምርጫ እታ ሃገር፣ ቦቢ ዋንይ ንደገፍቲ ጎስጓስ ብምክያድ ናዕቢን ዕግርግርን ከለዓዕል’ዩ ተባሂሉ ስለዝተሰግአ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኡጋንዳ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዘእተውዎ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ካብ 1986 ኣትሒዙ ንኡጋንዳ ዝመርሕ ዘሎ ወዲ 76 ዓመት ዩዌሩ ሙሴቬኒ፣ ብጥዕና ምኽንያት ወይ ድማ ብሞት እንተዘይትኣለዩ፣ ዕድሚኡ ምልኡ ኣብ ስልጣን ክቅጽል ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

ልዕሊ ፍርቂ ካብቲ ኣስታት 44 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ኡጋንዳ፣ ኣብዚ 35 ዓመታት ዘመነ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ዝተወልደን፣ ካልእ መራሒ ሃገሩ ክርኢ ዕድለ ዘይገበረን’ዩ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብዕድመ ምንዋሕ ስልጣን፣ ንሙሴቬኒ ስዒቡ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ፣ ንኤርትራ ን30 ዓመታት ዝመርሐ ወዲ 75 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኣብዛ ብምልኪ፣ ድንቁርና፣ ድሕረት፣ ጥሜትን እትልለ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሸሞንተ መራሕቲ ሃገራት ተባሂሎም’ውን ኣብ መዝገብ ሰፊሮም ይርከቡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0