ሱዳን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ብፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተኸሲሱ

ሱዳን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ብፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተኸሲሱ

Radio Erena: 05 April 2018

almahdiመንግስቲ ሱዳን፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝነበረ ሳድቕ ኣል ማህዲ ብፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝኸሰሶ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ገሊጸን።

ኣኽባር ሕጊ ሱዳን፣ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፣ ሳድቕ ኣል ማህዲ ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ብምምኽኻር፣ ንመንግስቲ ሱዳን ብዕልዋ ንምእላዩ ይሰርሕ ከምዘሎ ከሲሱ።

ኣብ 1989 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ጀነራል ዑመር ኣል በሺር ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሳድቕ ኣል ማህዲ፣ ሰልፊ ኡማ መስሪቱ ኣንጻር እቲ ብዕልዋ ዝመጸ መንግስቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ክቃወም ዝጸንሐ’ዩ።

ንሱ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብፕረዚደንት ኣልበሽር ዝተጸወዐ ዋዕላ ንሃገራዊ ዘተ ከምዘይሳተፍ ምግላጹ ይዝከር።

ኣንጻር ፕረዚደንት ኣልበሽር ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ጉጅለታት ኣብ ፓሪስ ኣብ ዘካየድዎ ዋዕላ ዝተሳተፈ ሳድቕ ኣል ማህዲ፣ ብዛዕባ’ዚ ብመንግስቲ ሱዳን ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ዝኾነ ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ንክልተ ዓመታት ኣብ ግብጺ ኣብ ስደት ዝነበረ ሳድቕ ኣል ማህዲ ኣብ ጥሪ 2017 ናብ ሃገሩ ተመሊሱ እኳ እንተነበረ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ኣብ ካይሮ ከምዘሎ ይሕበር።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0