ህንዲ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 18 ሃገራት ኣፍሪቃ ኤምባሲታት ክትከፍት’ያ

ህንዲ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 18 ሃገራት ኣፍሪቃ ኤምባሲታት ክትከፍት’ያ

Radio Erena: 05 April 2018

indian pmህንዲ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 18 ሃገራት ኣፍሪቃ ኤምባሲታት ክትከፍት ምዃና ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ብካቢነ እታ ሃገር’ውን ደገፍ ረኺቡ ዘሎ ምኽፋት ኤምባሲታት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ 10ታት ሚልዮናት ዶላር ተሰሊዕሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ነዚ ንምስላጥ ድማ መንግስቲ ህንዲ ኣቐዲሙ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ናይ ወጻኢ ምወላታት ከምዝስርዞ ገሊጹ።

ኣብ ኣፍሪቃ29 ቀወምትን ተንቀሳቐስትን ኣምባሳደራት ዘለዋ ህንዲ፣ ብዝሒ ኤምባሲታታ ናብ 47 ክብ ከተብሎ ምዃና ትገልጽ ዘላ፣ ነቲ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ተርእዮ ዘላ ቁጠባዊ ምስፍሕፋሕ ንምሽማው ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ህንድን ብደረጃ ኤምባሲ ዝማዕበለ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና እኳ እንተዘይጸንሐ፣ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት፣ ዓመታዊ ልዕሊ 25 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንግዳዊ ልውውጥ ከምዘሎ ጸብጻብ መንግስቲ ህንዲ የመልክት።

ኤርትራ ካብ ህንዲ ከም መማህራን ዝኣመሰለ ዓቕሚ ሰብ፣ መድሃኒት፣ ኣጭርቕቲ፣ ናይ ኤልክትሪክ ኣቝሑን ሃለኽቲ ነገራትን ክትሽምት እንከላ፣ ህንዲ ብወገና ካብ ኤርትራ ቆርበት ክትሽምት ምጽንሓ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይጠቅስ።

ኤርትራ ኣብ ህንዲ ቀዋሚ ኣምባሳደር ክህልዋ እንከሎ፣ ህንዲ ግና ብኮሚሽነርን ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደርን ጥራይ’ያ ተወኪላ ጸኒሓ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0