ሱዳን፣ ምህናጽ ናይቲ ኣብ ክሊ ናይል ዝርከብ ክልተ ዲጋታት ደው ክብል ወሲና

Radio Erena: 26 April 2021

ሱዳን፣ ምስ ግብጺ ኣብ ዝዳወብ፣ ሰሜናዊ ዞባ፣ ኣብ ክሊ ናይል እትሃንጾ ዝነበረት ክልተ ዲጋታት፣ ደው ክብል ከምዝተወሰነ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሱዳን ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብ22 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ምህናጽ እቲ ኣብ ዳልን ካጅባርን ዝርከብ ክልተ ዓበይቲ ዲጋታት ደው ክብል ዝኣዘዘ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ፣ ናብተን ኣብ እዋን ስርዓት በሺር ክህነጻ ዝተጀመራ ክልተ ዲጋታት ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ንምህናጽ እቲ ዲጋ ክቃወሙ ዝጸንሑ ነበርቲ ከባቢ ካጅባር፣ ዘቕረብዎ ጠለብ ከምዝተቐበሎ ኣረጋጊጹ፣

ንሱ፣ ኣብ ክሊ ናይል ዝህነጽ ዲጋታት፣ ቁጠባዊን ኣከባብያውን መጽናዕቲ ከምዘድልዮ ብምጥቃስ፣ ንህዝቢ ክህቦ ዝኽእል ማሕበራዊ ረብሓታት’ውን ኣብ ግምት ምእታው ከምዘድሊ ኣነጺሩ።

እቲ ክህነጽ ጀሚሩ ዝነበረ ዲጋታት፣ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ሓደጋ ዘእተወን ካብ መነባብርኦም ከመዛብል ዝኽእልን ብምዃኑ፣ ኣብ እዋን ስርዓት በሺር ኣብ ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ’ዩ ዝግለጽ።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ፣ ኣብ ሱዳን ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ’ዩ እናበለት እትቃወም ዘላ ሱዳን፣ ምህናጽ እዘን ኣብ ከርሳ ዝነበራ ክልተ ዲጋታት ደው ከተብል ምውሳና፣ ንግብጺ ከምዘሐጉሳ ይጥቀስ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0