ኤርትራ፡ ተታሒዞም ዝጸንሑ 97 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ተፋንዮም

Radio Erena: 26 April 2021

ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ 97 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

እቶም ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብሰንበት 25 ሚያዝያ፣ ንብረት መንገዲ ኣየር ግብጺ ብዝኾነት ነፋሪት፣ ናብ ካይሮ ኣብ ዝኣተውሉ፣ ናብ መወሸቢ ማእከል ተወሲዶም፣ መርመራ ኮቪድ 19ንካልእ ምጽራያትን ይካየደሎም ከምዘሎ’ዩ ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፤ ሳምሕ ሾክሪ፣ ብ15 ሚያዝያ ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ግብጺ ብኤርትራ ተታሒዞም ንዘለዉ ዜጋታት ንምፍታሕ፣ ኩሉ መዳያዊ ጻዕርታት ትገብር ከምዘላ’ዩ ዓኣረዲኡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ኣቐዲሙ’ውን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ኤርትራ ዜጋታት ግብጺ ክትፈትሕ ምሕታቱ ይዝከር።

ብውሕዱ ኣብ ሽዱሽተ ጀላቡ ዝነበሩ፣ ብዝሖም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ኣብ ወርሒ ጥሪ፣ ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራ እናገፈፉ እንከለዉ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዙ’ዩ ተመልኪቱ።

ብኣንጻር እዚ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ግብጺ ዝርከቡ 10ታት ኤርትራውያን፣ ዝሓተሎምን ዝጣብቐሎምን ኣካል ስኢኖም፣ ካብ ኣዋርሕ  ክሳብ ንዓመታት ይሳቐዩ ከምዘለዉ ይግለጽ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0