ሱዳን፡ ወኪል ው.ሕ.ሃ. ካብ ሃገራ ክወጽእ ሓቲታ

Radio Erena: 28 May 2023
መራሒ ላዕለዋይ ቆንስል ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን፤ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሃገሩ ክወጽእ ሓቲቱ።
ኣል ቡርሃን ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ወግዓዊ ስምዕታ፤ ከም ወኪል ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ፎልከር ፐርትስ፤ ምስ ገለ ፖለቲካውያን ሓይልታት ምድንጋጽ የርእይ ስለዘሎ፤ ናይ መንጎኛ ተራ ክጻወት ኣይከኣለን ዝብል ክሲ እዩ ኣቕሪቡሉ።
ኣብቲ ብዕለት 26 ግንቦት ዝተላእከ ስምዕታ፤ እቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ማእከላይ መርገጺ ብምሓዝ ናይ መላዘቢ ባይታ ኣብ ክንዲ ምጥጣሕ፤ ንነባሪ ሰላም ሱዳን ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ ዝብል ክሲ ይርከቦ።
ኣቐድም ኣቢሉ ኣባል ላዕለዋይ ቆንስል ሱዳን ሌተናል ጀነራል ያሲር ኣል ዓጣ ምስ ኣልሸርቕ ኣል ኣውሳጥ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፤ ፎልከር ፐርትስ ዝጻወቶ ዘሎ ኣሉታዊ ተራ ናብ ሰላም ኣይከብጽሓናን ጥራይ ዘይኮነ፤ ንመጻኢ ኣብ ሓድ ሕድና ናይ ምትእምማን መንፈስ ከይህሉ ይገብር ኣሎ፤ ክብል ምኽሳሱ ይዝከር።
ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ስምዕታኡ፤ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ንኩሎም ወገናት ብማዕረ ዝርእይን ሓሳባት ዝቕበልን ሓድሽ ወኪል ክልእኽ ጸዊዑ።
ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ብመራሕቲ ሱዳን ዝቐረበ ጠለብ ‘መስደመም’ ክብል ገሊጹዎ። ፎልከር ኣብ ሱዳን ከም ወኪል ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ሓያሎ ዕማም ከምዘሳለጠን ጉዳይ ሱዳን ብሰላም ክዛዘም ዕዙዝ ተራ ይጻወት ከምዘሎን እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0