ሩስያ ንመንግስቲ ሶማል ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ክትገብር’ያ

Radio Erena: 28 May 2023
ሩስያ ንመንግስቲ ሶማል ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ክትገብር ድልውቲ ከምዘላ ኣፍሊጣ።
መንግስቲ ሶማል ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ካልኣይ እብረ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፤ ሩስያ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትልግሰልና ምውሳና ዓቢ ተራ ክህልዎ እዩ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብሽር ዑመር ጃማ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ሓቢሩ።
እንተኾነ ንዓይነታት ኣጽዋር ብዝምልከት ኮነ ንግዜ፤ ብወግዒ ኣይተገልጸን።
እዚ መግለጺ’ዚ ዝወጽእ ዘሎ፤ ኣልሸባብ ኣብ ደቡብ ሶማል ኣብ ዝርከብ ናይ ዩጋንዳ ወተሃደራዊ መዓስከር ብምውራር ብውሑዱ 137 ወተሃደራት ከምዝቐተለ ኣብ ዝገለጸሉ፤ ሒደት ሰዓታት ድሒሩ እዩ።
ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ዩጋንዳውያን ወተሃደራት ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ እኳ እንተዘይተኻእለ፤ ኣብቲ መዓስከር መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ ግና ቤት ጽሕፈት ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሶማልን ሩስያን፤ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ (ሩስያ) ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ ከምዝዘተዩ እውን ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0