ሱዳንን ግብጽን ዝምድነአን ንምሕያል ይጽዕራ

ሱዳንን ግብጽን ዝምድነአን ንምሕያል ይጽዕራ

Radio Erena: 17 June 2018

bashir erdoganላዕለዎት ሰበስልጣን ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ክራኸቡ ምዃኖም፣ ካብ ሱዳን ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ሱዳን ዑስማን ሻልቱት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ላዕለዋይ ጉጅለ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝዝትየሉ እዋን፣ ብመሪሕነት ፕረዚደንታት ኣልበሽርን፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ኣምባሳደር ብዓርቢ 15 ሰነ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ቀንዲ ዕላማ’ቲ ኣኼባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልቲኤን ሃገራት፣ ሓባራዊ ዝምድና ንምድልዳል ምዃኑ ሓቢሩ።

እንተኾነ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መብርሂ፣ ንሱዳንን ግብጽን ዘየረዳድአን ዘሎ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ሓጽቢን፣ ዋንነት ከባቢታት ሓላይብን ቀንዲ ዛዕባ’ቲ ኣኼባ ከምዝኸውን ይገልጹ።

ሱዳን፣ ንፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ድሕሪ ምእንጋዳ፣ ሰበስልጣን መንግስትን ሜድያን ግብጺ፣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣልበሽር ብዘካየድዎ ናይ ቃላት መጥቃዕቲ፣ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ብከቢድ ሃስዩዎ’ዩ ጸኒሑ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0