ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 2 ሽሕ ኤርትራውያን ዶብ ብምስጋር ዑቕባ ከምዝሓተቱ UNHCR ገሊጹ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 2 ሽሕ ኤርትራውያን ዶብ ብምስጋር ዑቕባ ከምዝሓተቱ UNHCR ገሊጹ

Radio Erena: 15 June 2018

refugees in ethiopia

ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ግንቦት ጥራይ ልዕሊ 2 ሽሕ ኤርትራውያን ዶብ ብምስጋር ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ንመግለጺ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ካብ ኣዲስ ኣበባ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ቻይና ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እቲ ወኪል ስደተኛታት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 5 ኣዋርሕ ናይ 2018ብድምር 29,211 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ብምጥቃስ፣ እዚ ቁጽሪ’ዚ ንጠቕላላ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ልዕሊ 900 ሽሕ ክብ ከምዘበሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ 2018 ጥራይ፣ 4436 ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፣ እቶም 2157 ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ክኾኑ እንከለዉ እቶም 2094 ከኣ ኤርትራውያን ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ኢትዮጵያ፣ ብብዝሒ እትቕበሎም ስደተኛታት፣ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ድሕሪ ኬንያ፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ያ ትስራዕ።

ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶማል፣ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት’ዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓሙሽተ መዓስከራት ስደተኛታት ልዕሊ 160 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ ጸብጻብ UNHCR ዝገልጽ እኳ እንተኾነ፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ መስርሕ ስለዝድንግዮም ግና ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ብፍላይ መንእሰያት ጉዕዞ ስደቶም ናብ ሱዳን፣ ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ብምቕጻል ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝወሓዙ’ዩ ዝንገር።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ቆልዑ ዝሓዙ ስድራቤታት ምዃኖም ምስ ሬድዮ ኤረና ቅርበት ዘለዎም ወገናት ካብ ኣዲስ ኣበባ የመልክቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0