ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዶባተን ንንግዲ ክኸፍታ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 24 August 2021

ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዶባተን ንንግዲ ክኸፍታ ኣብ ስምምዕ በጺሐን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ከተማ ጁባ ኣብ ዘካየዶ ዑደት ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ብምርኻብ ኣብዚ ስምምዕ’ዚ ከምዝበጽሐ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ዝተፈነወ ሓበሬታ ብወገኑ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝግበር ምጉዕዓዝ ማይ፣ ዳግማይ ክኽፈት እዩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ጁባ ዝተኻየደ ርክብ፣ ድሕሪ ነዊሕ ዘተ፣ ኣርባዕተ ዓበይቲ ንግዳዊ ዶባት፣ ካብ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ ንክልቲኤን ሃገራት ክፉት ክኸውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።
ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ድሕሪ ምንጻላ፣ ልዕሊ 2 ሽሕ መተሓላለፊ ዶባት ተመስሪቱ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ እዩ እቲ ዶባት ኩሉ ተዓጽዩ።
ብመሰረት’ዚ ሓድሽ ስምምዕ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሱዳን ንግዳዊ ልውውጥ ንምድንፋዕ፣ ባንክታት ክልቲኤን ሃገራት ብስምምዕ ክሰርሓ፣ ወከልቲ ጨናፍር ባንክታት ከኣ ኣኣብ ሃገረን ክኸፍታ እየን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0