ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ማዕቀብ ኣንቢራ

Radio Erena: 23 August 2021

M.General Philiposክፍሊ ሃብቲ ሃገር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (US Treasury)፣ ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ናይ ቁጠባ ማዕቀብ ኣንቢሩ።
እቲ ማዕከን ሎሚ 23 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣንቢሩዎ ዘሎ ቁጠባዊ ማዕቀብ፣ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝተኣሳሰር ምዃኑ ገሊጹ።
ጀነራል ፍሊጶስ፣ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸመ ሰራዊት ኤርትራ ብምዃኑ፣ ብገበን የሕትቶ’ዩ ክብል እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ብመሰረት እቲ ቁጠባዊ ማዕቀብ፣ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ይኹን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኮይኑ ብመንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዝውነና ትካላት፣ በቲ ጀነራል ዝውነን ንብረት ሪፖርት ክግበርን ክድስክል እዩ።
ዝኾነ ትካል ኮነ ኣመሪካዊ ውልቀሰብ፣ ምስ ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ንግዳዊ ስምምዓትን ምስ ንብረት ዝተሓሓዝ ውዕላትን ንኸይግበር እውን እቲ ቁጠባዊ ማዕቀብ የስገድድ።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራ ፈጺሙዎም ዝበሃል ከም ዝምታ፣ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት፣ ጾታዊ ዓመጽ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ገበናት፣ ተሓተትቲ ንዝኾኑ ውልቀሰባት ዝግበር መቕጻዕቲ ክቕጽል እዩ ብምባል ኣብ ክፍሊ ሃብቲ ሃገር ዳይረክተር ምቁጽጻር ሃብቲ ወጻኢ ኣንድሪያ ጋስኪ ገሊጻ።
ንሳ ኣብ መግለጺኣ፣ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፍሊጶስ ዝተወስደ ቁጠባዊ ማዕቀብ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ብቀረባ ትከታተሎ ከምዘላን፣ ገበን ንዝፈጸሙ ከኣ ብሸለልትነት ክትሓልፎ ከምዘይኮነትን ዘርእይ እዩ ኢላ።
ኣብ ኲናት ትግራይ ክሳተፍ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ፣ ብሓለቓ ስታፍ’ቲ ሰራዊት ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ክምራሕ ከምዝጸንሐ ዝገልጽ ክፍሊ ሃብቲ ኣመሪካ (US Treasury) ፣ እቲ ሰራዊት ብቕጽበትን ንሓዋሩን ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ጸዊዑ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    Angeb 3 years ago

    ጀረናል ፍሊጶስ እንታይ ዝገድ ገንዘብ ኣለዎ ቀዳምቶም ትኽትከት ስለ ዘላ አክለ ጽበት እዩ

  • comment-avatar
    Tesheme kidane 3 years ago

    Long overdue!! These facilities in Asmara,their in our name the Eritrean people.