ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ምምልካት ዶብ ተዘራሪበን

ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ምምልካት ዶብ ተዘራሪበን

Radio Erena: 08 August 2018

Sudan Ethio Vice

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብ5 ነሓሰ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ልኡኽ፣ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ሓሰቦ ዓብዱራሕማን ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ብዛዕባ’ቲ ሱዳን ዝሓለፈ ሰሙን ዘቕረበቶ ጻውዒት ምምልካት ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስን ዶብ ዘተኮረ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ናይ ዶብ ምምልካት ጉዳይ ብሓባራዊ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ክፍታሕ ዘለዎ መርገጺ ኣስሚርሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤል ዲርዲሪ መሓመድ ኣሕመድ፣ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘዘራረበሉ፣ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ዶባታ ክምልከት ከምእትደሊ ምሕታቱ ኣይርሳዕን።

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ከባብ ኣልፋሽጋ ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት፣ ንክልቲኡ ጎረባብቲ ህዝቢታት ብተደጋጋሚ ናብ ግጭት ከእትዎ ጸኒሑ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0