ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ሶማል ኣገልግሎት ኢንተርነት ተቛሪጹ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ሶማል ኣገልግሎት ኢንተርነት ተቛሪጹ

Radio Erena: 09 August 2018

gijigaመንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ሶማል ተፈጢሩ ምስ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ብምትእስሳር፣ ኣብቲ ዞባ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣቋሪጽዎ ከምዘሎ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል፣ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ገሊጹ።

እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን መርበብ ሓበሬታ ከይዕፈንን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከባ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ከኣ ናብ ሃገርን ኣትየን ክሰርሓ ክፈቅድን እንከሎ፣ ድሕሪ’ቲ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ክልል ሶማል ዝተኸስተ ናዕቢ ግና ኣገልግሎት ኢንተርነት ከምዝቋረጽ ጌርዎ ኣሎ።

ቅድሚኡ ንዝነበሩ መራሕቲ፣ ንህዝቢ ካብ ሓበሬታ ምግላሎም ክወቅስ ዝጸንሐ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ጸጥታዊ ስግኣት ብምምኽናይ፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምዕጻው ብትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይንቀፍ ኣሎ።

ኣብ ክልል ሶማል ኣብ መንጎ ሰራዊት እቲ መንግስትን ፍሉያት ሓይልታት ናይቲ ክልል ብዝተኻየደ ግጭት 10ታት ሰባት ክቕተሉን ክቖስሉን እንከለዉ፣ ኣሽሓት ከኣ ካብ መነናብርኦም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝበዝሐ ክፋላት እተን ግጭት ዝተጎሃሃረለን ከተማ ታት ጅግጅጋን ድሬዳዋን ከምዝተቖጻጸረን ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ጸጥታ ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰ’ዩ ዝሕብር።

ኣማሓዳሪ ናይቲ ክልል ዝነበረ ዓብዲ ማሕሙድ ዑመር ብሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተወስደ ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ እኳ እንተለዉ፣ እቲ ኣማሓዳሪ ወከልቲ ህዝቢ ብዘቕረብዎ ጠለብ ካብ ስልጣኑ ከምዝተሰናበተን ብስራሕ ጉዳይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝገዓዘን ከኣ ካልኦት ይጠቕሱ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንኣገልግሎት ኢንተርነት እቲ ክልል ኣቛጽዎ ስለዘሎ፣ ብመንገዲ መርበባት ቅኑዕ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጊሙ ከምዘሎ ይግለጽ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0