ሰብኣዊ መሰላት ሶማል ክከታተል ዝተመዘዘ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት፣ ናብታ ሃገር ናይ መጀመርያ ዑደት የካይድ ኣሎ

Radio Erena: 30 March 2022

ሰብኣዊ መሰላት ሶማል ክከታተል ኣብ 2020 ዝተመዘዘ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት፣ ናብታ ሃገር ናይ መጀመርያ ዑደት የካይድ ምህላዉ እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ኣፍሊጡ።

እቲ ብናይ ሰራልዮም መበቆል ዘለዋ፣ ዒሻ ዲፋን ዝምራሕ ጉጅለ፣ ካብ 28 መጋቢት ክሳብ 2 ሚያዝያ’ዩ ኣብ ሶማል ክጸንሕ።

ንሳ፣ ኣብ ናይ ሶማል ዑደታ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት፣ ሚኒስተራትን ሰበ ስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ክትዝቲ’ያ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ናብ ዝተፈላለየ ዞባታት እታ ሃገር ብምብጻሕ፣ ምስ ወከልቲ ቀቢላታትን ሓለፊ ምምሕዳራትን ክትራኸብ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብ መስከረም 2022 ድማ ጸብጻባ፣ ናብቲ ዝመዘዛ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከተቕርብ’ያ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0