ፈረንሳ፣ ብናህሪ ናብ እትሕንበብ ባቡር ንምሕዃር ዝፈተኑ ሓተቲ ዑቕባ፣ ብዝፈጠርዎ ባርዕ ኤለክትሪክ ሓደ ኤርትራዊ ሞይቱ፣ ብውሕዱ ሰለስተ ቆሲሎም

Radio Erena: 29 March 2022

ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ብናህሪ ናብ እትሕንበብ ባቡር ብምሕኳር ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ዝፈተኑ ሓተቲ ዑቕባ ብዝፈጠርዎ ናይ ኤለከትሪክ ባርዕ፣ ሓደ ኤርትራዊ ግዳይ ሞት ክኸውን እንከሎ፣ ብውሕዱ ሰለስተ ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ይእለዩ ከምዘለዉ፣ መርበብ ዜና ላ ቯ ዱ ኖርኽ (la voix du nord) ሓቢሩ።

እቶም ሓተቲ ዑቕባ፣ ብ27 መጋቢት፣ ኣብ ሰዓታት 4፣30 ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ ካብ ዝርከብ መደበር ባቡር ቫለንሰየን ተበጊሳ፣ ናብ ከተማ ሊል እተምርሕ ዝነበረት ባቡር ንምሕኳር ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፣ ሓደ ካብኣቶም ገመዳት ኤለክትሪክ ስለዝተንከፈ’ዩ እቲ ባርዕ ተኸሲቱ።

ሓደ ባጎኒ ናይታ ብኤልክትሪክ እትሕንበብ ባቡር በቲ ባርዕ ከምዝዓነወን፣ ናይ መጓዝያ መስመር እቲ ከባቢ ተሰናኺሉ ከምዘምሰየን ሰበ መዚ ኣገልግሎት ባቡር ፈረንሳ ገሊጾም።

ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ’ውን፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021፣ ካብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሓለኑ ሓተቲ ዑቕባ፣ ተደፋፊኦም ናብ መንገዲ ባቡር ብምእታው፣ ሓደ ኤርትራዊ ብባቡር ክርገጽ ተረጊጹ ክቕተል እንከሎ፣ ሰለስተ ከምዝቖሰሉ ኣይርሳዕን።

ካብ ሰሜናዊ ፈረንሳን ቤልጅዩምን ዝተኣኻኸቡ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፣ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን፣ ባቡራትን መራኽብን ተሓቢኦም፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ዝገብርዎ ፈተነታት፣ ሓያሎ ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ክኾኑ ጸኒሖም’ዮም።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0