ሰበ ስልጣን ግያዝዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበሩ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠሊሙና ክብሉ ከሲሶም

Radio Erena: 23 March 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ንክልል ትግራይ ተቖጻጺርሉ ኣብ ዝነበረ ሓጺር እዋን፣ ብዝግያውነት ክመርሑ ዝሸሞም 82 ሰብ ስልጣን ምምሕዳር ናይቲ ክልል፣ ብመንግስቲ ተረሲዕና ክብሉ ክሲ ከምዝመስረቱ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እቶም ሰበ ስልጣን ነበር፣ ሰራዊት መንግስቲ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽእ እንከሎ፣ ከይሓበሮም ከምዝሰሓበ ብምጥቃስ፣ ድሕሪኡ’ውን እንተኾነ፣ ዝግብኦም ደሞዝን ሞሳን ‘ውን ከምዘይተኸፍሎም ኣማሪሮም።

ብሰንኩ ድማ ንሳቶምን ስድራቤታቶምን ንብዙሕ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕሰም ከምዝተቓልዑ ብምምልካት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ 23 ሚልዮን ብር ክኽሕሶም ጠሊቦም ኣለዉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዘ ሪፖርተር፣ ብህዝቢ ትግራይ ከም ከደዓት ተጠሚትና ኢና ዝብል መረረ ዘለዎም እቶም ሰበ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበሩ ተጋሩ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ‘ውን ብሓይልታት ትግራይ ከምዝተቐንጸሉ’ዮም ዝወቕሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ክሲ ናይዞም ኣምሓደርቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበሩ ተጋሩ ዝሃቦ መልሲ የለን።

ብኣንጻሩ እቲ መንግስቲ፣ ብውሕዱ ንሸሞንተ ሰበ ስልጣን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ነበር፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝኣሰሮም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ኣብ ሕዳር 2020 ኵናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይቲ ዓመት፣ ህወሓት ካብ መቐለን ዝበዝሐ ከተማታት ትግራይ ኣንሳሒቡ ናብ በረኻታት ኣብ ዝወጸሉ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክልል ብግዝያውነት ዘመሓድሩ ሰበ ስልጣን ምሻሙ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ ህወሓት ሓይልታት ትግራይ ብዝብል ዳግመ ውዳበ፣ ሓይሉ ኣጠናኺሩ ኣብ ሓጺር ኣዋርሕ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብምድፋእ ንዝበዝሐ ክልል ትግራይ ከምልስ ኣብ ርእሲ ምኽኣል፣ ናብ ውሽጢ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን ክሳብ ሰሜን ሸዋን ክግስግስ ክኢሉ።

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ሓይልታት ትግራይ ዝቖጻጺሮሞ ዝነበሩ ከባቢታት ክስሕብ እንከሎ ድማ ንምምሕዳራት ናይተን ክልላት ይሕብር ከምዘይነበረ ይውቀስ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0