ኣስመራ፣ ክካየድ ብዝቐነየ ግፋ፣ ኣብ ቦርቦሬላ ዝተባህለ መዓስከር ተታሒዞም ዝነበሩ 10ታት መንእሰያት ሃዲሞም

Radio Erena: 22 March 2022

ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ግፋ ተታሒዞም፣ ኣብ ከባቢ ዓዲ ንፋስ ኣብ ዝርከብ፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ቦርቦሬላ ተኣኪቦም ዝነበሩ 10ታት መንእሰያት፣ ብቀዳም 19 መጋቢት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ከምዝሃደሙ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እቶም መንእሰያት፣ ጫማታቶም ተመንጢሎም ጥራይ እግሮም ‘ዮም ክሃድሙ ክኢሎም።

ኣባላት ሰራዊት ነቶም ህይወቶም ንምድሓን ዘምለጡ መንእሰያት ንምሓዝ፣ ክልተ ግዜ ጠያይቲ እኳ እንተተኮሱ፣ ዝተታሕዘ ሰብ ከምዘይነበረ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፣ ጽዑቕ ግፋታት ክካየድ ንቡር ተርእዮ ናይታ ሃገር’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ገጻት ፌይስቡክ
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0