ኣብ ጋማግም ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ዝጠሓለት ካልኣይቲ ጃልባ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ 130 በጺሑ

         ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 500 ስደተኛታት ዝጸዓነት ካልኣይቲ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ብውሕዱ 130 ሰባት ሞይቶም።

        ሰበ ስልጣን ኢጣልያ 140 ሰባት ብህይወት ከምዘድሓኑ ክገልጹ እንከለዉ፣ ናይቶም ዝተረፉ ኣስታት 250 ሰባት ሃለዋት ግና ዛጊት ኣይተፈልጠን።
       ቁጽሪ ምዉታት ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክውስኽ ከምዝኽእል’ውን ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ስግኣቶም ይገልጹ።

        እታ ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱሳ ኢጣልያ ከምዝጠሓለት ዝሓበሩ እቶም ሰበ ስልጣን፣ ብህይወት ዝተረፉ እንተለዉ ንምድሓኖም ይጓየዩ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።
        
         ዜግነት ናይቶም ዛጊት ሞይቶም ዘለዉ 130 ሰባት ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ መብዛሕትኦም ተሳፈርቲ ናይታ ጃልባ ኤርትራውያን ብምዃኖም፣ ዝበዝሑ ግዳያት’ውን ኤርትራውያን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ ኣሎ።

       ኣቐዲሙ ብሰኑይ 30 መስከረም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሲሲልያ ኣብ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ’ውን ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 13 ሰባት ሞይቶም’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0