ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ነቶም ብሰንኪ ስደት፣ ምእሳርን ሞትን ዝተፈልዩ ሰለስተ ሚኒስተራት ከይተክአ ስሩዕ ኣኼባ የካይድ ኣሎ

ኣብቲ ካብ 1 ጥቕምቲ ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ስሩዕ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት፣ እቲ ካቢነ ኣስታት ሓደ ርብዒ ካብ ኣባላቱ ኣብ ዘይተረኽብሉ’ዩ ብዛዕባ መጻኢ መደባት 2014 ዝዝቲ ዘሎ።

 

ሰለስተ ካብተን ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቖማ ኣካላት ሚኒስትሪታት ብዘይወግዓዊ ሚኒስተር ከምዘለዋ ዝፍለጥ ዝፍለጥ’ዩ።

ሚኒስተር ዜና ኣቶ ዓሊ ዓብዱ መዝነቱ ራሕሪሑ ናብ ስደት ካብ ዘምርሕ ሓደ ዓመት ከቑጽር እንከሎ፣ ሚኒስተር ማዕድን ኣቶ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ድማ ምስቲ ኣብ ጥሪ 21 ኣብ ፎርቶ ዝተኻየደ ስርሒት ብዝተሓሓዝ ካብ ዝእሰር ትሽዓተ ወርሑ መሊኡ ኣሎ።

ንነዊሕ ዓመታት ሚኒስተር ማይን መሬትን ኣከባብን ዝነበረን ድሕሪ ምእሳር ማሕሙድ ሸሪፎ ተበቲኑ ንዝነበረ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ክኣሊ ዝተመዘዘን ሚኒስተር ወልደንኪኤል ገብረማርያም ድማ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ወርሒ ብሞት ድሕሪ ምፍላዩ እቲ ሚኒስትሪ ብዘይ ወግዓዊ ሚኒስተር’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ሚኒስትሪታት ብዘይ ወግዓዊ ሚኒስተር ንነዊሕ ዓመታት ክእለያ ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን።

ሚኒስተር ዜና ነበረ ኣቶ በረኻ ገብረስላሴ ኣብ 2001 ድሕሪ ምእሳሩ፣ እቲ ሚኒስትሪ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብዘይወግዓዊ ሚኒስተር ከምዝጸንሐ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ንኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ መወዳእታ 2003 ኣብ ዝተክኣሉ’ውን ከም ግዝያዊ ሚኒስተር’ዩ ተመዚዙ።

ብዘይካ’ዚ ድማ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ነበረ ኣቶ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ኣብ ነሓሰ 2008 ብሃንደብት ድሕሪ ምዕራፉ፣ እቲ ኣብ ናይ ወጻኢ ዝምድናታትን ዲፕሎማስን ኣገዳሲ ዝኾነ ሚኒስትሪ ንሰለስተ ዓመታት ብዘይ ሚኒስተር ከምዝጸንሐ ኣይርሳዕን።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ብ17 ሚኒስተራት ዝቖመ ኮይኑ፣ እቲ ሚኒስትሪታት ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ዝፍንጣሕን ዳግም ዝቐውም ምዃኑ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር፣ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ሚኒስትሪ ሃገራዊ ልምዓትን ኣብነት ምጥቓስ ይከኣል።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0