‘ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ዳግማይ ክኣቱ ምጅማሩ ኣሻቓሊ’ዩ’ ሕ.መ.ኣ.ን፣ ሕብረት ኤውሮጳን

Radio Erena: 25 August 2021

ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ዳግማይ ክኣቱ ምጅማሩ ኣሻቓሊ’ዩ ክብሉ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፣ ሕብረት ኤውሮጳን በብወገኖም ገሊጾም።
ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሰኑይ 23 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ ዳግማይ ክኣቱ ምጅማሩ ብምግላጽ፣ እቲ ድሮ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ኣንፈት የርእይ ከምዘየሎ ዘመልክት ምዃኑ ኣሚቱ።
ድሕሪ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ሓይልታት ትግራይ ንዝበዝሐ ክፋል’ቲ ክልል ተቖጻጺሮሞ ምጽንሖም ዘመልከቱ ምንጭታት፣ ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ከባቢ እንተተመሊሱ ግና፣ ሓድሽ ኣንፈት ክሕዝ ከምዝኽእል ገሊጾም።
ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ ኣብ ጽባሕ’ቲ ኣብ ልዕሊ ንሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝመርሐ እዩ ዝበሎ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ናይ ቁጠባ ማዕቀብ ኣብ ዘንበረሉ እዋን’ዩ።
ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኖም ብዕለት 20 ነሓሰ ናብ ኣባል ሃገራት ኣብ ዝለኣኹዎ መዘክር፣ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኤርትራ ብታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ተሰንዩ፣ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ትግራይ ይዋፈር ምህላዉ ኣመልኪቶም።
እቲ ዞባ ብፍላይ ከባቢታት ዓዲ ጎሹን ሑመራን፣ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዝረኣየሉን፣ ብኩሎም ወገናት ድፋዓት ተታሒዙዎ ዘሎን ምዃኑ ይንገር።
ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰራዊታ ከምዘይለኣኸት ክትገልጽ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ጸቕጢ ድሕሪ ምግባሩ ግና፣ ሰራዊታ ትስሕብ ከምዘላ ኣፍሊጣ ኔራ።

 

 

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0