የመን ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ናይ 665 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ

Radio Erena: 26 August 2021
የመን ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ናይ 665 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ።
ኣይ.ኤም.ኤፍ. ነዚ ሓገዝ ዘበርከተ፣ የመን ኣትያቶ ካብ ዘላ ቁጠባዊን ሰብኣዊን ቅልውላው ንምውጻእ ዝዓለመ ምዃኑ ሺን ሁዋ ገሊጹ።
ኣብ ከተማ ዓደን ዝርከብ ሃገራዊ ባንክ የመን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ናይ 665 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ድሮ ናብ ባንክታት እታ ሃገር ክኣቱ ጀሚሩ ከምዘሎን፣ ንቁጠባ የመን ከበራብሮ ዘለዎ ተስፋን ገሊጹ።
እቲ ሃገራዊ ባንክ ኣብ መግለጺኡ፣ እቲ ፋይናንስያዊ ሓገዝ፣ ንናይ ወጻኢ ሸርፊን፣ የመን ንእተካዪዶ ምልውዋጥ ንግድን ድፍኢት ኣብ ምሃብ፣ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ኣመልኪቱ።
ባጤራ የመን፣ ኣብታ ሃገር ንዓመታት ብሰንኪ ዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድ ብቐጻሊ ከንቆልቁል ብምጽንሑ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ዶላር ኣመሪካ፣ 1,037 ርያል የመን ይሽረፍ ኣሎ።
ብሰንኪ’ዚ ካብ 2015 ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ዘኸተሎ፣ ናይ 250 ሚእታዊት ምንቁልቋል ሸርፊ ወጻኢ፣ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ብ140 ሚእታዊት ዛዪዱ ይርከብ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0