ሰራዊት ሱዳን፣ ኣንጻር ፈጣን ሓይልታት ኣብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ናይ ወጻኢ ዕጡቓት ከምዝማረኸ ሓቢሩ

RADIO ERENA –Wednesday, 03 April 2024

ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን፣ ኣንጻር ፈጣን ሓይልታት ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጽዑቕ መጥቃዕታት፣ ናይ ውጻኢ ዕጡቓት ከምዝማረኸ ሓቢሩ።

ኣብ ትሕቲ ፈጣን ሓይልታት ንዝነበረ ሓያሎ ክፋል ከባቢታት ካርቱም መንዚዑ ከምዘሎ ዝግለጽ ሰራዊት ሱዳን፣ ንመደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ንምቑጽጻር ኣብ ዘካይዶ ስርሒት ነቶም ናይ ወጻኢ ዕጡቓት ከዝማረኾም’ዩ ኣመልኪቱ።

መደብ ቴሌቪዥንን ራድዮን እታ ሃገር ንምቑጽጻር ዝተኻየደ ስርሒት ብ12 መጋቢት እኳ እንተነበረ፣ እቲ ሰራዊት ናይ ወጻኢ ዕጡቓት ከምዝማረኸ ዝግለጽ ዘሎ ድሕሪ ክልተ ቅነ’ዩ።

እቶም ሰራዊት መንግስቲ፣ ናይ ‘ወጻኢ’ ዝብሎም ዘሎ ዕጡቓት፣ ብዝሖምን መንነቶምን ብዝርዝር ኣየቕረበን።

ይኹን’ምበር፣ ኣባላት ከቢድ ብረት ዝኾኑ ደቡብ ሱዳናውያንን፣ ኣጋር ሰራዊት ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝበዝሕዎም ዜጋታት ቻድን ከምዝርከብዎም፣ ኣፈኛ ወትሃደራዊ ስለያ ሱዳን፣ ልዩተናንት ኮለነል ዓብደልባጊ ኣል ጠይብ ዓብደልራሒም፣ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ።

ሓያሎ ካብቶም ተማሪኾም ዘለዉ ዜጋታት ደቡብ ሱዳንን ቻድን ዝኮኑ ዕጡቓት፣ ብገንዝብ ወይ ብግዴታ ምስ ፈጣን ሓይልታት ተዓሲቦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ መርበባት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን ዝኾና ቻድን ደቡብ ሱዳንን፣ ብዛዕባ ምትሓዝ ‘ቶም ዕጡቓት ፈጣን ሓይልታት ምዃኖም ዝተጠቕሱ ዜጋታትን ብዝምልከት ዝሃብኦ ዝኾነ መግለጺ የለን።

ኵናት ሱዳን፣ ምትእትታው ጎረባብቲ ሃገራት እንተተሓዊስዎ፣ ናብ ዝበኣሰ ዞባዊ ግጭት ክዓርግ ከምዝኽእል ‘ዩ ዝትንተን።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0