ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ስሒባ

RADIO ERENA –Wednesday, 03 April 2024

ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ብፈደራል መንግስቲ ንዝቐረበ እማም ምምሕያሽ ቅዋም ኣብ ምርጫ ብምንጻግ፣ ካብ ኣባላትነት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከምዝሰሓበት ኣፍሊጣ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ክንዲ ብቀቢላ ብዝውከሉ ኣባላት ዝውሰን፣ ህዝቢ መራሕቱ ብቀጥታ ክመርጽ ዘኽእሎ ክኸውን’ዩ እማመ ኣቕሪቡ።

ባይቶ ሶማል፣ ብ30 መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ድማ፣ ነቲ ምስ ምውዳቕ ሃገረ ሶማል ተኣታትዩ ዝጸንሐ፣ ምርጫ ብወከልቲ ቀቢላ ክኽውን ዝፈቕድ ቅዋም ተመሓይሹ፣ ናብቲ ቅድሚ ውድቀት እታ ሃገር ዝነበረ፣ ቀጥታዊ ምርጫ ብህዝቢ ንዝብል እማመ ‘ዩ ደጊፉ።

ይኹን’ምበር፣ ካብ 1991 ኣትሒዛ ካብ ሶማል ተፈልያ ናይ በይና ሉኣላውነት ክትእውጅ ከምእትኽል እተጠንቅቅ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ነቲ ውሳኔ ንምቅዋም፣ ተጸንቢራቶ ካብ ዝጸንሐት ፈደረሽን ስሒባ ኣላ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣፍልጦ ከምዘይትህብ ገሊጻ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ካብ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዙ ብዘቖሞ ሓድሽ ቅርጺ ምምሕዳር፣ ንሶማል ኣብ ሸውዓተ ፈደራላዊ ግዝኣታት ማለት፣- ፑንቱላንድ፣ ሶማሊላንድ፣ ጁባላንድ፣ ጋልምዱግ፣ ሒርሸቤል፣ ካቱሞን ደቡባዊ ምዕራብን ‘ዩ መቓቒሉዋ።

እዚ ፈደራላዊ ቅርጺ ምምሕዳር፣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ብቀቢላ ዝቖመ ክልላት ከፈርስን ንግዝኣታዊ ሓድነት ሶማል ድማ ከሐይልን ‘ዩ ትጽቢት ተነቢርሉ ኔሩ።

ኣቐዲማ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸተመቶ ስምምዕ መረዳድኢ ሰነድ ኣፍደገ ባሕሪ፣ ንሉኣላውነት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ይግህስ’ዩ ስለ ዝተባህለ፣ ኣብ ምፍጣጥ ክትኣቱ እንከላ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ብጉዳይ ምርጫን ምምሕያሽ ቅዋምን ካብቲ ፈደረላዊ መንግስቲ ከምዝሰሓበትን ነቲ መንግስቲ ሕጋዊ ኣፍልጦ ከምዘይትህቦን ገሊጻ ኣላ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0