ሰላማዊ ሰልፊ ዚምባብወ፣ ናብ ጎነጽ ዓሪጉ

zimb proኣብ ዚምባብወ ኣንጻር ፕረዚደንት ሙጋቤ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ካብ ፖሊስ’ታ ሃገር ሓያል ጎነጽ ኣጋጢሙዎ።

ሰልፈኛታት ‘ሙጋቤ ካብ ስልጣን ክእለ፣ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ 2018 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ቅጥዕታቱ ክቕየር ዝጠልብ ጭርሖታት ብምልዓል እዮም ኣብ ጎደናታት ከተማ ሃራሬ ወጺኦም።

 

እንተኾነ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ፣ ነቶም ሰልፈኛታት ብጎነጽ ክብትንዎም ኣብ ዝፈተኑሉ፣ ሓያሎ ሰባት ብከቢድን ፎኪስን ከምዝቖሰሉ፣ ቢቢሲ ካብታ ከተማ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ገሊጹ።

ወዲ 92 ፕረዚደንት ሙጋቤ ሕጂ’ውን ክወዳደር ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ። ነዚ መራሕቲ 18 ውድባት ዝጸዉዑዎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ፍቓድ ሂቡ ክነሱ፣ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ግና እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘይሕጋዊ’ዩ ብምባል ብሓይሊ በቲኑዎ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዚምባብወ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንሓድነት ህዝቢ ዚምባብወ ንምብታን ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተሃንደሰ’ዩ ክብል ገሊጹዎ።

መራሒ ተቓዋሚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሞርጋን ዝቫንጊራይ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ህዝቢ ብዘየወላውል መንገዲ ድሌቱ ገሊጹ ኣሎ፣ ድሌታት ህዝቢ ዘየማልእ መንግስቲ ከኣ ክቕየር እዩ ዘለዎ ድሕሪ ምባል፣ ነቲ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝወሰዱዎ ጎነጻዊ ስጉምቲ ኮኒኑ።

ብቁጠባዊን ፖለቲካዊን ቅልውላው ተሓሚሱ ዘሎ መንግስቲ ዚምባብወ፣ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ክኸፍለሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ወዲቑ ከምዘሎ ተንተንቲ የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0