ናይ ህይወት ኣድሕን ረዲኤት እትህብ ጃልባ፣ መንነቶም ካብ ዘይተፈልጠ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ወሪዱዋ

msf boatኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ንዘጋጥሞም ስደተኛታት ናይ ህይወት ኣድሕን ረዲኤት እትህብ ጃልባ፣ መንነቶም ካብ ዘይተፈልጠ ዕጡቓ መጥቃዕቲ ወሪዱዋ።

እቲ ብሓካይም ብዘይዶብ እትውነን ናይ ህይወት ኣድሕን ጃልባ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ትብገሰሉ ኣብ ዝነበረት እዋን’ዩ፣ ብዕለት 17 ነሓሰ መጥቃዕቲ ወሪዱዋ።

 

ኩሎም’ቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ሓካይም ብዘይዶብ፣ ዝኾነ ጉድኣት ከምዘይወረዶም፣ እቲ ትካል ግብረሰናይ ሓቢሩ።

እቶም መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት፣ ናብታ ጃልባ ተኹሲ ድሕሪ ምኽፋት፣ ንኣስታት 50 ደቓይቕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮማ። ኩሎም ሰራሕተኛታት ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል’ታ ጃልባ ዝርከብ ውሑስ ቦታ ስለዝተሓብኡ ብህይወቶም ብህይወቶም ክወጹ ከምዝኸኣሉ ይገልጹ። እቶም ዕጡቓት ንብረት ኮነ ካልእ ዝኾነ ነገር ከይወሰዱ’ዮም ነታ ጃልባ ገዲፎማ።

ካብቲ ተኹሲ ንስክላ ዝወጸ ሓደ ኣባል ሓካይም ብዘይዶብ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቶም ዕጡቓት ብፍሉይ ዝሰልጠኑ ወተሃደራት እምበር ኣባላት ዳዒሽ ወይከኣ ካልኦት ጉጅለታት ሚሊሻ ክኾኑ ከምዘይክእሉ ሓቢሩ።

ነዚ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ሓካይም ብዘይዶብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ዘሕፍር ፍጻሜ ድሕሪ ምባል፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ልዕሊ ዘካዪዱ ትካላትን ውልቀሰባትን ተኹሲ ምኽፋት፣ ካብ ሰብኣውነት ዝረሓቐ እኩይ ተግባር’ዩ ክብል ገሊጹዎ።

እቲ ትካል ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጥራይ ልዕሊ 25 ሽሕ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ከባቢ ደቡብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓነ ይንገር።

ኣካያዲ ስራሕ ኤም.ኤስ.ኤፍ፣ ንድሕነትን ካብ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ኤውሮጳ ዝወሃብ ውሕስነትን ዝያዳ ኣቓልቦ ክግበር ምኽሪ ክህብ እምበር፣ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ንመስርሕ ህይወት ኣድሕንን ህጹጽ ረዲኤት ምልጋስን ከቋርጾ ከምዘይኮነ የመልክት። እንተኾነ ነቲ ፍጻሜ ንምግምጋም ንክልተ ሳምንታት ስርሑ ደው ከብል ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ካልእ ዜና ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 332 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ ሓደጋ ድሒኖም ናብ ኢጣልያ ኣትዮም ከምዘለዉ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እቶም 54 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርከብዎም ብመስመር ሲቺልያ ዝኣተዉ ስደተኛታት፣ 295 ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ ዝተረፉ ከኣ ዜጋታት ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ሞሮኮ፣ ኢትዮጵያን ሶርያን ምዃኖም ተፈሊጡ።

ግቡእ ጥዕናዊ መርመራ ኣብ ዝተገብረሎም ከኣ ናብ ቱስካኒን ኡምብሪያን ዝርከብአን ከተማታት ኢጣልያ ክግዕዙ ምዃኖም፣ ነቲ መስርሕ ምጥያስ ዘካይድ ዘሎ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ የፍልጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0