ሰለስተ ውልቀ ሰባት ብምስግጋር ደቂ ሰብ ብተኣሳሰር ክሲ ተታሒዞም

    ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ፣ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ከባቢ 200 ሰባት ዝቐተለ ሓደጋ ባሕሪ፣ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበልዎም ሰለስተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

    እቶም ኣብ ክልተ ጀላቡ ዝነበሩ ኣስታት 400 ዝኾኑ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ እንከለዉ ሓደጋ ስለ ዘጋጠሞም 198 ካብኦም ብህይወት ክድሕኑ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ግና ከምዝሞቱ ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።
    እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ሰለስተ ሊብያውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ፣ ነተን ክልተ ጀላቡን ካልኦት ቅድሚአን’ውን ሓያሎ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ንምስግጋር ክሰርሑ ከምዝጸንሑ፣ ሓላፊ ጸጥታ ከተማ ዝዋራ ገሊጹ።
    መንነት ናይዞም ጥርጡራት ንግዚኡ ተዓቂቡ ከምዘሎ ዝሓበረ’ቲ ሓላፊ ጸጥታ፣ ዕድሜኦም ግን ኣብ ዕስራታት ከምዝኾነ ገሊጹ።
    ሊብያ ካብ ኣፍሪቃን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ናብ ኤውሮጳ ንዝመጹ ስደተኛታት ቀንዲ መተሓላለፊት መስመር ኮይና ብምህላዋ፣ ሰበስልጣን ሊብያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ሓገዝ ንምርካብ ተደጋጋሚ ጻውዒት ከካዪዱ’ኳ እንተጸንሑ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ሙዓመር ኣልቐዛፊ፣ እታ ሃገር ቀዋሚ መንግስቲ ብዘይምምስራታ፣ እቲ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከብ ሓገዝ ኣብ 2014 ደው ከምዝበለ ይፍለጥ።
    ሃገራት ዝበዝሓ ሃገራት ምዕራብን ዓረብን፣ ምስቲ ንምብራቓዊ ሊብያ ተቖጻጺሩ ዘሎ ሓይሊ ክርብ መስሪተን’የን። እንተኾነ ዝበዝሐ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ምስግጋር ደቂሰብን ዝካየደሉ እዚ ሓይሊ ኣብ ዘይቆጻጸሮ ምዕራባዊ ክፋል ሊብያ ምዃኑ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0